Fana: At a Speed of Life!

ዝተዋደደ ስርዓት ሬጉላቶሪን ምሕደራን ሚዲያ ቴክኖሎጂ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መዚ መራኸቢ ሓፋሽ ምስ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብምትሕብባር ዘልመዖ ዝተዋደደ ስርዓት ምሕደራን ሬጉላቶሪን ሚዲያ ቴክኖሎጂን ብዕሊ ኣመሪቑ።

ዋና ዳይሬክተር ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸቢ ሓፋሽ ሃይማኖት ዘለቀ ኣብቲ እዋን፥ እቲ ሓዱሽ ዲጂታል ስርዓት ናይ ሕሶት ሓበሬታታትን ሕጊን ዝተመሓላለፉ ዝርገሐታት ንምቁፅፃር ዝሕግዝ ኢዩ ኢለን።

ተመዝጊቦምን ካብቲ በዓል መዚ ፍቓድ ወሲዶምን ዝንቀሳቐሱ መራኸብቲ ሓፋሽ ዲጂታል ብዝሖነ ኣግባብ ቁፅፅር ንምግባር ዘኽእል ከምዝኾነ ኣመልኪተን።

እቲ ቴክኖሎጂ ተሳትፎ ዜጋታት ብዝበለፀ ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ዝፀርሓ እተን ዋና ዳይሬክተር፥ ናይ ሕሶት ሓበሬታታትን ሕጊ ዝጠሓሱነ ፈነወታት ብምቁፅፃር ተሓታትነት ሕጊ ከምዘዕስል ገሊፀን።

እዚ ድማ እቲ ዓውዲ ብዲጂታል ዓውዲ ብምቕናይ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ከምዘሰጋግር ኣብሪሀን።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር) ብግደኦም፥ እቲ ትካል ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ንኩሉ ዝብል መምርሒ ብምሕንጋጥ ዲጂታላይዝድ ዝኾነት ሃገር ጋህዲ ኣብ ምግባር ከይዲ እጃሙ እናተዋፀአ ከምዝርክ ተዛሪበን።

ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ዝተመረቐ ስርዓት ቴክኖሎጂ እውን እዋኑ ዝጠልቦ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ብመቅደስ የኔሁን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.