ዝተዘረፉ ሓድጊታት ብዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ንምምላስ ጭቡጥ ውፅኢታት ተመዝጊቦም – ኣሉላ ፓንክረስት (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ዝተዘረፉ ጥንታዊ ሓድጊታት ብጥንኩር ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ናብ ሃገር ንምምላስ ጭቡጣትን ዘተባብዑን ውፅኢታት ተመዝጊቦም ኢሎም ተመራማሪን ኣባል ኮሚቴ ምምላስ ሓድጊታት ኢትዮጵያን ኣሉላ ፓንክረስት (ዶ/ር)።
ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት መንግስቲ መደመር ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኲናት፣ ዘረፋን ካልኦት ምኽንያታትን ዝጠፍኡዋ ጥንታዊ ሓድጊታት ብጥንኩር ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ንምምላስ ትኹረት ሂቡ ብምንቅስቓስ ጭቡጥን ዘተባብዕን ውፅኢት ከም ዝተመዝገበ ገሊፆም።
ኣሉላ ፓንክረስት (ዶ/ር) ከም ዝበሉዎ፤ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ሃገር ዝወፅኡ ሓድጊታት ንምምላስ ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ጀሚራ ብዝተዋደደ መገዲ እናሰርሐት ትርከብ።
ብሓይልን ብዘረፋን ዝተወስዱ ሓድጊታት ኩሉግዜ ናብ ታሪኻዊት በዓልቲ ቤቶም ዝኾነት ሃገር ክምለሱ ከምዘለዎም ተዛሪቦም።
ሓድጊታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዕዳጋታት ወፃኢ ሃገራት ንመሸጣን ጨረታን ኣብ ዝቐርቡሉ እዋን፤ ሕጋዊን ጥንኩርን ዲፕሎማሲያዊ ተቓውሞታትን ብምቕራብ እቶም ጨረታታት ሙሉእ ብሙሉእ ክስረዙ ክግበር ከምዝተኻእለ ገሊፆም።
እቶም ጨረታታት ድሕሪ ምስራዞም እውን መንግስቲን መዳርግቲ ኣካላትን ብምዝታይን ብምድርዳርን ብዙሓት ታሪኻዊ ሓድጊታት ንምድሓን ከምዝተኽኣለ ብምሕባር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ካብ መቕደላ ተዘሪፉ ንመሸጣ ዝቐረበ ወንጌል ንጉስ ቴዎድሮስ ንምምላስ መንግስቲ ብዲፕሎማሲያዊ መንገዲ ፃዕሪ እናገበረ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሓድጊታት ኣብ ምምላስ ብወገን መንግስቲ ዝተርኣየ ውሳነን ፅኑዕ ዲፕሎማሲያዊ ክእለትን ዘደንቕ ምዃኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።