ድሕንነት ህፃናት ዘመሓይሹ መርኃ ግብሪታት ውሕስና ህንፀት ወለዶ ኢዮም – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶም ድሕንነት ህፃናት ዘመሓይሹ ብሄራዊ መርሃ ግብሪታት ውሕስና ህንፀት ትውልዲ ኢዮም ኢሎም።
ስነ ስርዓት ምጅማር ዓለም ለኸ ቀዳማይ ቁልዕነት ተኻይዱ።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ልምዓት ቀዳማይ ቁልዕነት ብማዕቐፍ ሕጊን ፖሊሲን ተደጊፉ እናተሰርሐ ይርከብ።
መንግስቲ ንሰብ ተኮር ልምዓታት ቅድሚት ብመሃብ እናሰርሐ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ ሃገር ለኸ ማዕቐፍ ልምዓትን ፖሊሲ ትምህርቲን ቀዳማይ ቁልዕነት ኣብ 2003 ዓ.ም ፀዲቑ ኣብ 2015 ዓ.ም ድማ መመሓየሺ ተገይሩሉ ኣብ ስራሕ ከምዝወዓለ ንኣብነት ኣልዒሎም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ 2017 ዓ.ም ዝፀደቐ ሓፈሻዊ ኣዋጅ ትምህርቲ ናፃን ኣገዳዲን ቅድመ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቲ ንኽወሃብ ከምዝድንግግ ብምሕባር፤ እዚ መሰረት ብምግባር ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 35 ሺሕ ቅድመ ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኣገልግሎት እናሃቡ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም።
ብለይኩን ኣለም