ድኽነት ተቓሊስካ ምስዓር ግዚኡ ዝሓቶ ሓርበኝነት ኢዩ – ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ድኽነትን ድሕረትን ተቓሊስካ ምስዓር ንሓድነት ሃገር ዘብዒ ጠጠው ምባል ግዚኡ ዝሓቶ ሓርበኝነት ኢዩ ኢሎም ፕሬዚዳንት ማሕበር ሓርበኛታት ጥንታዊት ኢትዮጵያ ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን።
መበል 85 በዓል መዓልቲ ሓርበኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣራት ኪሎ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ሓወልቲ ዓወት (የድል ሐውልት አደባባይ) ተኸቢሩ።
ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ቅድሚ 85 ዓመት ናይ ህይወት መስዋእትነት ዝኸፈሉ ሓርበኛታት ሉኣላዊነታ ዝተሓለወት ናፃ ሃገር ክንርከብ ገይሮም።
ቅድሚ 85 ዓመት ንሓሙሽተ ዓመታት መረርቲ ዝኾኑ ናይ ግፍዒ ፅዋዕ ምዒጎም ሃገር ንዘድሐኑ ሓርበኛታት ምስጋና፣ ፍቕሪን ኣኽብሮት ይግባእ ኢሎም።
ሎሚ እታ ሃገር ድኽነትን ድሕረትን ተቓሊሶም ዝስዕሩ፣ ንልምዓት ከምኡ እውን ንሓድነት ሃገርን ፍቕሪ ህዝቢን ዘብዒ ዝቖሙ ሓርበኛታት ከምዘድልዩዋ ኣገንዚቦም።
ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ሓዱሽ ዝኾነ ፀገማት ብልዝብ ንምፍታሕ ዘኽእል መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ሒዙ ዝመፅአ ዕድል ምጥቃም ይግባእ እውን ኢሎም።