Fana: At a Speed of Life!

ገጠር ኮሪደር ምዝማን ህይወት ሓረስቶት

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2018 ዓ.ም (ኤፍ.ኤም.ሲ)ልምዓት ኮሪደር ገጠር ኣብ ኢትዮጵያ ናብራ ሓረስቶትን ሰበክ ሳግምን ብልዑል ንምቕያርን ከተማታት ናብ ገጠር ንምስፋሕፍሕን ዝተጀመረ ሃገራዊ ልምዓታዊ ሪፎርም እዩ።

እዚ ፕሮጀክት ኣብ ከተማታት ዝተረኣየ ዕውት ውፅኢት ልምዓት ኮሪደር ናብ ገጠር ማሕበረሰባት ኣብ ምዝርጋሕ፣ ኣባይቲ፣ መረባታትን ሓፈሻዊ ኩነታት መነባብሮን ነፍሲ ወከፍ ሓረስታይ ዘመናዊ ምግባር ዘተኮረ እዩ።

እቲ ቀንዲ ዕላማ ኣብ ሞንጎ ገጠርን ከተማን ዘሎ ናይ ልምዓት ኣፈላላይ ብምፅባብ፣ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝከይድ ፍልሰት ንምንካይን ኩለመዳያዊ ብልፅግና ምርግጋፅን እዩ።

እዚ ዘመናዊ ልምዓት ስራሕ ኣብ ኣርባዕተ ቀንዲ መዳያት ዘተኮረ እዩ።

ፈላማይ መንደራት ሞዴል ብምህናፅ፣ ምምሕያሽ መንበሪ ኣባይቲ፣ ንሓረስቶት ዝተመቻቸወ፣ ፅሩይን ሰብኣዊ ክብሪ ብዝምጥን ዘበናዊ ከባታት ምህናፅ እዩ።

እዚ ድማ ምምሕያሽ ፅሬት ገዛን ከባብን፣ ከምኡ ’ውን ምህናፅ ዘመናዊ ሽቓቕን መሕፀቢ ኣካላትን የጠቓለለ እዩ።

ምስፍሕፋሕ መገዲታት ገጠር፣ ሓምለዋይ ቦታታትን ብምፍጣርን ኣብ ኣጠቃቅማ ተሓዳሲ ሓይሊ ልዑል ረብሓ ኣለዎ።

መንበሪ እንስሳትን ሰባትን ብምፍላይ ካልኣይ ዓንዲ ልምዓት ኮሪደር ገጠር እዩ።

ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ልምዲ ከፍቲን ሰባትን ኣብ ሓደ ናሕሲ ዝነብሩ ብምቕያር፤ መንበሪ ደቂ ሰባት ተፈልዩ መንበሪ እንስሳት ጥሪት ብምድላውን ፅሬቱ ብዝተሓለወ መልክዑ ምድላው ዘጠቓልል እዩ።

ጥሪት ካብ መንበሪ ኣባይቲ ደቂ ሰባት ብምፍላይን መሰረተ ልዓት ፅሩይ ማይን ሳኒቴሽን ብምምዕባል ብሰንኪ ጉድለት ፅሬት ዝመፅእ ሕማማት ይንኪ፡፡

እቲ ካልኣይ ዓንዲ ድማ ኣጠቓቕማ ተሓዳሲ ሓይሊ ምስፍሕፋሕ እዩ።

እዚ ድማ ንኣባይቲ ሓረስቶት ዝኸውን ሓይሊ ሶላር ብምግጣምን ካብ ጎሓፍ እንስሳታት ዝወፅእ ስርዓተ ምብሳል ባዮጋዝ ምዝርጋሕ የጠቓልል።

ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ገዛ ንዝፍጠር ብከላ ኣየርን ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምድላይ ዕንጨይቲ ዝፍፀም ምግፋዕን ይንኪ።

ምትእስሳር ትሩፋት ሌማት ምፍጣር ራብዓይ ዓንዲ እንትኾን፤ ኣብ መረባ ሓረስቶት ኣሕምልቲ፣ ቆፎ ንህቢ፣ ሕርሻ ደርሆን ፀባ ላሕምን ምውዳብ ዘጠቓልል እዩ።

እዚ ንስድራቤት ዝተመጣጠነ ምግቢ ካብ ምቕራብ ብዝሓለፈ ተወሳኺ እቶት እውን ይህልዎ።

ብሓፈሻ ልምዓት ኮሪደር ገጠር ኣተሓሳስባን ኣነባብራን ሕብረተሰብ ገጠር ንምቕያርን ዓድታት ገጠር ኢትዮጵያ ፅቡቓትን ፅሬትን ንመነባብሮ ዝጥዕማ ንምግባር ዝዓለመ ዓብዪ ሃገራዊ ራእይ እዩ።

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.