Fana: At a Speed of Life!

“ግፋ” ኣብ ኤርትራ፤ ሓፈሳ ኣብ ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ 10፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መናእሰይ ኤርትራ ንዘበናት እናሳቐየ ዝነበረ ወታደራዊ ማእኸል መሰልጠኒ ካምፕ “ሳዋ”ን “ግፋ” መሪር ሓቂ፣ ዶብ ተሳጊሩ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ዳግም እናተተግበረ ምርኣይ ናይ ታሪኽ መሕዘኒ ኣጋጣሚ ኢዩ።

ትማሊ ኣዴታት ኤርትራ በቢመፈገዱን ኣብ ደገኣፍ ቢኣቢያተ ክርስቲያትን እንትሕደጋ ዝነብዐኦ ንብዓት፣ ሎሚ ካብ ዓይኒ ኣዶታት ትግራይ እንትፈስስ ምርኣይ የሕምም።

ዘይሕጋዊ ህወሓትን ሻዕቢያን፣ ዋላ እኳ ኣብ ቼዝ ፖለቲካ ደም ዝፋሰሱ ፀላእቲ እንተኾኑ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዝትግብሩዎ ሜላ ጭቆናን ኣገዳዲ ምልመላን ግን “ማንታ ርእዮተ ዓለም” ምዃኖም ብተግባር ኣርእዮም ኢዮም። ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ካብ ሰብኣይ እንኡ ሻዕብያ ዝወረሶ ሓደ ጥሪት እንተሃለወ ኲናትን ጭካነን ጥራሕ ኢዩ።

“ሳዋ” ኣብ ትግራይ

ኣብ ኤርትራ ቅድሚ ዓመታት ዝተተግበረ “ብሄራዊ ኣገልግሎት”፣ መናእሰይ ዕድመ ልክዕ ካብ ዝኣስሮ ኣገዳዲ ወታደራዊ ኣገልግሎት ብተወሳኺ ብዓለም ለኸ ደረጃ መሕዘኒ ታሪኻት ስደት ኣመዝጊቡ ኢዩ። “ግፋ” ዝበሃል ወፍሪ ሓፈሳ መናእሰይ ካብ ቤት ትምህርቲ፣ መገዲ ወይ እውን ኣብ ገዝኦም እናሃለዉ ተታሒዞም ናብ ሳዋ ይዕጎሩ።

ደቂ ኣንስትዮ ምውላድ ክሳብ ዝፈርሓ፤ ኣዴታት ደቀን መሕብኢ ስኢነን ክሳብ ዝርዕዳ ሻዕብያ ዝዓብዩ ሰገናት ከካብ መንደሩ እናሓፈሰ ናብ ሓዊ እንትእጉድ ነይሩ ኢዩ። ካብ ስልጣኑ ካሊእ ንምንም ዘጨነቕ ዘይብሎም ናይ ኣስመራ ጌታ፤ ልስሉስ ሰውነት ህፃናት ንመሸጣ ምቕራብ ፍልፍል ደስታኦም ኢዩ።

እዚ ዘሕዝን ምዕራፍ ታሪኽ፣ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ኣብ ክልል ትግራይ ባርያ ሻዕቢያ ብዝኾነ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት እናተመርሐ እናተደገመ ይርከብ።

ሻዕቢያ ገዛ ንገዛ እናዘረ መናእሰይ ካብ ሕቑፊ ኣዴታቶም እናነፀለ ንኲናት ከምዝኣጎዶም ማዕረ፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት እውን ህፃናትን ሰገናትን ብተመሳሳሊ መልክዑ ብግዲ እናሓፈሰ ይርከብ። ኣዶ ትግራይ ንብዓት ብዝረሓሰ ገፃ፤ ተንበርኪኻ እናተፋሓኾት፤ ሓመድ ኣብ ልዕሊኣ እናነስነሰት፤ ደቀይ ግደፉለይ ኢላ ብምምሕፃና፤ መልሲ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ተኹሲ ምኽፋት ኮይኑ ኣሎ።

መናእሰይ ናይቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ግፋ ንምህዳም፤ ብዝረኸቡዎ ቀዳድን ኣጋጣሚን ክልል ትግራይ ለቒቖም እናወፅኢ ይርከቡ። ብመስዋእትነት መናእሰይ ዕድሚኦም ከቐፅሉ ዝቃለሱ ኣረግቶት ህወሓት “የኣክል” ዝበሉ መናእሰይ እውን ቃልሲ ጀሚሮም ኣለዉ።

መናእሰይ ትግራይ ንሕድሕድ ኲናት ሱዳን ብምክራይ ኣብ ልዕሊ ሃፍቲ ሃፍቲ ንምውሳኽ ዝፅዕሩ ሓይሊ፤ ዘስበሖ እንተዘይኮይኑሉ ጭካነ ናይ ግብሪ ኣቡኡ ሻዕብያ ንምጥቃም መሪፁ ኣሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.