ፅባሕ ዝመር ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ብዓወት ንምክያድ ዝተማለአ ምድላው ተገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፅባሕ ዝጅመር ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ብዓወት ንምክያድ ዝተማለአ ምድላው ተገይሩ ኢሎም ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)፡፡
ማርቺንግ ባንድ ምክልኻል ድሮ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝተፈላለዩ ኣደባባያትን ጎዳናታትን ኣዲስ ኣበባ ድሙቕ ምርኢት እናቕረበ ይርከብ፡፡
መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ንፈለማ እዋን ንእተካይዶ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ኣድላዪ ቅድመ ምድላዋት ተዛዚሞም ኣብ ድሮ እቲ ዕለት ንርከብ።
ኣብዚ ታሪኻዊ ጉባኤ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝተወከሉ ልዕሊ 4 ሺሕ ተሳተፍቲ ብሓባር ብምዃን ኣብ ሃገሮም ሓበራዊ ጉዳያት ብሰፊሑ ክዝትዩ ኢዮም ኢሎም።
ሃገር ኣብ ፅኑዕ መሰረት ንምህናፅ ኣብ ዝግበር እዚ ታሪኻዊ ጉባኤኻድሕድ ተዛተይቲ ብንቕሓት ንኽሳተፉ ፃውዒት ምቕራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡