ፈተናታት ዝሓለፈ፡ ዘይምለስ ጉዕዞ ምዕባለ ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ጌጋታት ብምእራም፣ ሓባራዊ ሃገራዊ ዘተ ብምክያድን ንኹሉ ዘሳትፉ ፕሮጀክታት ልምዓት ብምሕንፃፅን ንድሕሪት ዘይምለስ ጥንኩርን ዲሞክራሲያዊትን ሃገር ኣብ ምህናፅ ታሪኻዊ ምዕራፍ ትርከብ።
ንድሕሪት ዘይምለስ ሃገራዊ መንነት ኢትዮጵያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘበን ብዝተፈላለዩ ፈተናታት እናሓለፈ እናጠንከረ ከምኡ እውን ብጭቡጥ ኣብ መሬት ብዝረአዩ ሓቂታት እናተረጋገፀ ይርከብ።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዙሓት ውፃእ ውረድ፣ ውሽጣዊ ፈተናታትን ዋላ እንተተኣናገደት ማንም ክምልሶ ወይ ክልውጦ ዘይክእል ዓበይቲ ዓወታት ክተመዝግብ ዝኸኣለት ሃገር እያ።
ህብረ ብሄራዊ መንነት ኢትዮጵያ መበገሲ ድኽመታ ዘይኮነስ ኣብ ኩሎም ኣፀጋሚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚታት ብሓባር ደው ኢላ ንኽትሰግር ዝገበራ ጥንካረኣ እዩ።
ህያው ተምሳሌት ታሪኽ፣ ፅንዓት፣ ባህሊን ናፅነትን ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ንዘበናት ሒዞም ዝፀንሑዎም ናይ ምክብባርን ሓቢርካ ምንባርን ክብሪታት ንዝኾነ ይኹን ከፋፋሊ ሓሳብ ክስዕሩ ገይሩዎም እዩ።
ብኻልእ መዳይ ኢትዮጵያ መበገሲት ሩባ ኣባይን ማእኸል ቀርኒ ኣፍሪካን ምዃና ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዘይናወፅ ስትራቴጂካዊ ግደ ክህልዋ ገይሩ እዩ።
ተፈጥሮኣዊ ፀጋታታ፣ መንእሰይ ሓይሊ ሰባን ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ዘለዋ ቀዳማይ እጃምን፤ እታ ሃገር ናብ ቅድሚት እትጎዓዘሉ መገዲ ምዕባለ ዘይምለስ ኣንፈት ንኽትሕዝ ኣኽኢልዋ ኣሎ።
ህዝባ ድማ ናይ ምድግጋፍን ብሓባር ናይ ምንባርን ክብሪ ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ወይ እውን ማሕበራዊ ማዕበል ዘይብተኽ ጥንኩር ገመድ ኮይኑ ተጣሚሩ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ብዘለዋ ሰፊሕ ሓይሊ ሰብ፣ ተፈጥሮኣዊ ፀጋ፣ ቴክኖሎጂን ዲጂታል ኣሰራርሓን ከምኡ እውን ብተግባር ዝተደገፈ ቆራፅነት ዝሓሰበቶ ንምዕዋት ዓባይ ሃገር ምዃናን ጉዕዞ ምዕባለኣን ዘይምለስ ምዃኑን ንዓለም እናመስከሩ ይርከቡ።
ብሓፈሻ ንድሕሪት ዘይምለስ መንነት ኢትዮጵያ ብኣዕፅምቲን ደምን ህዝባ ዝተቐረፀ፣ ኣብ ዓወታት ታሪኽ ትማሊ ዝተመስረተ፣ ንምዕባለ ፅባሕ ዝምነ ፅኑዕ ሓቂ እዩ። እቶም ኣብ ታሪኽ ዝሓለፈቶም ትማሊታት መንነታ ኣምኪኾም ኣየጥፍእዎን፤ እኳደኣስ ብዝበለፀ ኣጠንኪኺሮምዋ።
ኢትዮጵያ ትማሊ ዝነበረት፣ ሎሚ ዘላን ፅባሕ እውን ብዘይብተኽ ታሪኻዊን ባህላዊን መንነታ ፀኒዓ እትነብር መርአያ ዕቤትን ዕቤትን ዝኾነት ሃገር እያ።
ብትእግስት ግዛቸው