Fana: At a Speed of Life!

ፌደራል ፖሊስ ንስግኣታት ፀፅታ ብልዑል ብቕዓት ንምምካት ድሉው እዩ – ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ንስግኣታት ፀፅታ ብልዑል ብቕዓት ብምፍሻል ሰላም ሃገር ንምርግጋፅ ድሉው እዩ ኢሎም ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስ ፌደራል ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል፡፡

ስትራቴጂካዊ ኣመራርሓን ላዕለዎት መኮንናት ፖሊስን ፖሊስ ፌደራል ኣብ እዋናዊ ኩነታት ፀፅታ ኢትዮጵያ ብምድሃብ ተዛትዮም።

ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ኣብቲ እዋን፤ ትካሎም ሞራል ሰራዊት ብምህናፅ፣ ኩሉግዘ ድልውነት ብምጥንኻርን ናይ ምፍፃም ዓቕሙ ብዝበለፀ ብምዕባይን ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ናይ ምሕላው ሓላፍነቱ ብልዑል ደረጃ እናተዋፀአ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ኩሉ መዳያት ዕቤት እናመዝገበት ኣብ ትርከበሉ እዋን፤ ሰላማን ዕቤታን ዘይደልዩ ኣካላት ዘንፀላለዉዎ ስግኣት ፀፅታ ዝኾነ ይኹን መስዋእቲ ብምኽፋል ንምፍሻል ድሉዋት ከምዝኾኑ ኣረጋጊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ህንፀት ስነ ልቦና ሰራዊትን ኩለመዳይ ድልውነትን ዘድሀበ መዛተዪ ፅሑፍ ቀሪቡ ዘተ ከምዝተገበረሉ ሓሬታ ፖሊስ ፌደራል የመልክት።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.