ፍርያት ኢትዮጵያ ብቐጥታ ናብ ዕዳጋ ሩሲያ ዝቐርቡሉ መድረኽ ኦንላይን ዕድጊት ዕላዊ ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓብዪ ናይ ሩሲያ ኢ-ኮሜርስ ኩባንያ ዋይልድቤሪስ ኢትዮጵያውያን ኣፍረይቲን ነጋዶን ፍርያቶም ብቐጥታ ናብ ዕዳጋ ሩሲያ ዘቕርቡሉ ኦንላይን መድረኽ ዕድጊት ብዕሊ ኣጀሚሩ።
እቲ ኩባንያ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ውፅኢታት ቡን፣ ጨርቀመርቂን ቆርበትን፣ ናይ ተፈጥሮ መወቀቢ ከምኡ እውን ናውቲ ገዛ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ዕዳጋ ክቐርቡ ኢዮም ኢሉ።
ስራሕቲ ምጉዕዓዝን ሎጂስቲክስን ኣቑሑት ንምቅልጣፍ እቲ ኩባንያ ምስ ኢትዮ ፖስታ ብሽርክና ከምዝሰርሕ ተገሊፁ።
ብሳራ ስዩም