ፓርቲ ብልፅግና ብዝተፈላለዩ ተበግሶታት ብዙሓት ዓወታት ኣመዝጊቡ- ኣይተ ኣደም ፋራህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ.)ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ብምንዳፍን ናብ ተግባር ብምቕያርን ብዙሓት ዓወታት ኣመዝጊቡ ኢሎም ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲ ኣይተ ኣደም ፋራህ።
ብኣይተ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ጉጅለ ኣመራርሓ ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግናን ቤት ፅሕፈት ጨናፍር ክልላትን፥ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣብ ዘሎ ህንፀት ትካላት ብምዝዋር ተዓዚቡ።
ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፥ ብመሪሕነት ፓርቲ ብልፅግና ዝተሰርሑ ዝተፈላለዩ ስራሓት ዓወታት ከምዘመዝገቡ ገሊፆም።
ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ብምንዳፍ ኣብ ብዙሕ ዓውድታት ዓበይቲ ስራሓት ከምዝተሳለጡን ብዙሕ ዓወት ከምዝተመዝገበን ብምሕባር፥ እቲ ዝተረኽበ ዓወት ብዝያዳ ኣጠናኺርካ ምቕፃል ቀፃሊ ትኹረት እቲ ፓርቲ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
እቶም ኣመራርሓ፥ ብዘይካ እቲ ምብፃሕ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ጨናፍር ኣብያተ ፅሕፈት እቲ ፓርቲ ፈልሲ ብምትካል ሓምላዊ ኣሰሮም ኣንቢሮም።
ብተወሳኺ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተኻየዱ ስራሓትን ዝተመዝገቡ ዓወታትን ዘርኢ ኤግዚቢሽን ፎቶ ቀሪቡ።
ብታሪኩ ለገሰ