Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ጎስጓስ ምርጫ ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ጎስጓስ ምርጫ ኣካይዱ።
እቲ መርሃ ግብሪ ።ብፅኑዕን ዝተወደበን ድምፂ ደቂ ኣኒስቲዮ ኢትዮጵያ ናብ መርኣያ ሃገር ክነሰጋግራ ኢና” ዝበል መሪሕ ሓሳብ ከምዘለዎ ተገሊፁ።
እቲ ጎስጓስ ምረፁኒ፥ ኣብ ደብረ ማርቆስ፣ ላሊበላ፣ ዱርቤቴ፣ ሸዋሮቢት፣ ደንበጫ፣ ደብረታቦር፣ ወረኢሉ፣ ዓዴት፣ ደብረሲና፣ ወረታ፣ ኣጣዬ፣ ግንደወይንን ካልኦት ከተማታትን ከምዝተኻየደ ተገሊፁ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣባላት ክንፊ ደቂ ኣኒስቲዮ ፓርቲ ብልፅግናን ደገፍተዪ ከምኡ ‘ውን ነበርቲ ተረኺበን።
ፓርቲ ብልፅግና ኩለ መዳይ ተረባሕነት ደቂ ኣኒስቲዮ ብዝበለፀ ክብ ንምባል ዝስራሕ ሃገራዊ ፓርቲ ከምዝኾነ ዘጉልሁ መልእኽቲታት ተመሓላሊፎም።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.