ፕሬዚዳንት ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ ኣበለኩም ኣመሓላሊፎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም. (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ሕቡረት ኤሚሬታት ዓረብ ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዳግም ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኖም ብምሻሞም መልእኽቲ እንኳዕ ደስ ኣበለኩም ኣመሓላሊፎም።
ብተመሳሳሊ ምክትል ፕሬዚደንታት እታ ሃገር ሼክ መሓመድ ቢን ራሺድ ኣል መክቱምን ሼክ መንሱር ቢን ዛይድ ኣል ናህያንን ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ከምዘመሓላለፉ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ፀብፂቡ።