Fana: At a Speed of Life!

1 ነጥቢ 3 ትሪሊየን ዶላር ፅዕነቶ ዕዳ ኣፍሪካ ዝንክዩ መፍትሒታት ንምእንፋት…

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)1 ነጥቢ 3 ትሪሊየን ዶላር ፅዕነቶ ዕዳ ኣፍሪካ ንምንካይ ዘኽእሉ ኣንፈታት መፍትሒ ንምቕማጥ ዝዓለመ 2ይ ፎረም ሉኣላዊ ፋይናንስ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

እቲ ፎረም 23 ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ልዑል ቅልውላው ዕዳ ኣብ ዝርከባሉ እዋን ብሕቡራት መንግስታት ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ኣቢሉ ዝተሰናደአ ኢዩ፡፡

ሃገራት ኣፍሪካ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ዘለወን ሓፈሻዊ ኣታዊ ልዕሊ ርብዒ ዝኸውን ንኣገልግሎት ክፍሊት ዕዳ ንምውዓል ከምዝተገደዳ ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ።

እቲ ፎረም ምሕደራ ፋይናንስ ኣፍሪካ ካብ ዝተለመደ ክፍሊት ዕዳ ምንዋሕ ብምንጋፍ ክሌማዊ ለውጢ ዝፃወርን ዘላቒን ሜላታት ፋይናንስ ናብ ማዕቐፋት ኢኮኖሚ ሃገር ንምእታው ዝዓለመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብቲ መዛዘሚ እቲ ጉባኤ ተሳተፍቲ ሃገራት ነናይባዕለን ስርዓት ምሕደራ ዕዳ ንምዝማን ዘኽእል መርሃ ግብሪ ሓገዝ ቴክኒክ ድጋ ከሰናድኣ ኢየን ዝብል ትፀቢት ኣሎ።

ብመሳፍንት ብርሌ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.