Fana: At a Speed of Life!

103 ሓደሽቲ ከተማታት ገጠርን መንደራትን ተረባሕቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮይነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ በጀት ዓመት 2018 ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ 103 ሓደሽቲ ከተማታት ገጠርን መንደራትን ተረባሕቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተረባሕቲ ኮይነን ኢሉ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኣገልግሎት ጌቱ ገረመው (ኢ/ር) ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ፤ ፍትሓዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተበፃሒነት ንምርግጋፅ ኣብ ዝተካየደ ዘርፈ ብዙሕ ስራሕቲ ምስ ዋና ግሪድን ካብቲ ግሪድ ዝረሓቁ ብዙሓት ሓደሽቲ ከባቢታት ተረባሕቲ ኮይነን፡፡
ምስ ትካላት ጥዕናን ማሕበራዊ ብተወሳኺ ንልዕሊ 31 ሺሕ ስድራቤታትን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተረባሕቲ ኽኾና ኣኽኢሉ እዩ ኢሎም።
ኣብዞም ትሽዓተ ኣዋርሕ ካብቶም ተረባሕቲ ዝኾኑ 82 ምስ ዋና መረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ (ግሪድ) ከምኡ እውን 21 ከተማታትን ገፀርን መንደራትን ኣማራፂ ሓይሊ ፀሓይ (ኦፍግሪድ) ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ሓቢሮም።
ብተወሳኺ ተበፃሕነት ኣብ ምርግጋፅ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ 423 ሺሕ 200 ሓደሽቲ ዓማዊል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተረባሕቲ ክኾኑ ከምዝኸኣሉ ገሊፆም።
ብመላኩ ገድፍ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.