Fana: At a Speed of Life!
Monthly Archives

July 2022

ብሔራዊ ዝተዓለመሉ ድጎማ ነዳዲ ኣብ ዝምልከት ዝተርኣየ ፅቡቕ ጅማሮ  ምስፋሕ ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንህዝቢ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ዝህባ ተሽከርከርቲ ተረባሕቲ ዝገብር ብሔራዊ ዝተዓለመሉ ድጎማ ነዳዲ ኣብ ፅቡቕ ጅማሮ  ከምዝርከብ ተሓቢሩ። ሃገራዊ ዕላማ ዝገበረ ኣተሓባባሪ ኮሚቴ ድጎማ ነዳዲ ፀብፃብ ኣፈፃፅማኡ ገምጊሙ። እቲ ዕላማ ዝገበረ ድጎማ…

ኣብ ክልል ሶማሌ ዞባ ኣፍዴር ሾሊኹ ዝኣተወ ግብረ ራዕዲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝተደምሰሰ መንግስቲ እቲ ክልል ገልፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታት ኣቶ ብዝበሃል ቦታ ናብ ክልል ሶማሌ ዞባ ኣፍዴር ሾሊኹ ዝኣተወ ግብረ ራዕዲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝተደምሰሰ መንግስቲ እቲ ክልል ገልፁ። እቲ ግብረ ራዕዲ ''ሁልሁል'' ኣብ ዝበሃል ቀበሌ ምስተኸበበ…

ሰላም ንምዕባለ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ሃገር ንምቕፃል ወሳኒ ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰላም ንምዕባለ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ሃገር ንምቕፃል ወሳኒ ብምዃኑ ኣፈላላያት ምፅባብ፣ ምክእኣል፣ ምክብባርን ምትሕብባርን ከምዘድሊ ሚኒስቴር ሰላም ኣፍሊጡ። “ካብ ዒድ ክሳብ ዒድ” ፃውዒት ብምቅባል ዝመፅኡ ዲያስፖራታት፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ምሁራንን…

ኣብዚ በጀት ዓመት 49 ሚሊየን ዶላር ካፒታል ዘመዝገቡ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ስራሕ ከምዝጀመሩ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም 49 ሚሊየን ዶላር ካፒታል ዘመዝገቡ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ስራሕ ከምዝጀመሩ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ገሊፁ። ሓላፊ መምርሒ ማርኬቲንግን ኮሙኒኬሸንን እቲ ኮርፖሬሽን ኣይተ ሄኖክ ኣስራት፥…

ሓሙሽተ ሓለፍቲ ስራሕ ክልል ጋምቤላ ካብ ሓላፍነቶም ተላዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓሙሽተ ሓለፍቲ ስራሕ ክልል ጋምቤላ ካብ ሓላፍነቶም ከምዝተልዓሉ ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ ገሊፆም። ብብርኪ መንግስቲን ፓርቲን ኣብቲ ክልል ንተኸታተልቲ ሓሙሽተ መዓልታት ብመሰረት ዝተኻየደ ገምጋም ኢዮም እቶም…

ኣብ ዞባ መተከል 35 ኣባላት ጉጅለ ዕጡቕ ሽፍታ ብሰለማዊ መገዲ ኢዶም ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ወምበራ ካብ ዝተፈላለዩ ቀበሌታት ዝተውፃእፅኡ 35 ኣባላት ጉጅለ ዕጡቕ ሽፍታ ብሰለማዊ መገዲ ኢዶም ከምዝሃቡ ተገሊፁ። ኣባላት እቲ ጉጅለ ኣብቲ ቀጣና ምስ ዝካየድ ዘሎ ተግባር ምኽባር ሕጊ ብምዝማድ ፃውዒት ሰላም መንግስቲ…

ብዓውዲ ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ኣብ 2014 ዓ.ም ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ንዘርኣያ ክልላት ሽልማት ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢንተርፕራይዝ ልምዓት ኢትዮጵያ ብዓውዲ ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ኣብ  2014 ዓ.ም ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ንዘርኣያ ክልላት ሽልማት ሂቡ። ብመሰረት ዝተቐመጠ መለክዒ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ንዝወፅኣ ቢሮታት ዝተፈላለያ ክልላት ኢዩ እቲ ሽልማት ተዋሂቡ።…

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ብሕብረት ግብራ ራዕዳውያን ዝተፈተኑ መጥቃዕትታት ምፍሻሉ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ድሕንነትን ፌዴራል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ብሕብረት ግብራ ራዕዳውያን ዝተፈተኑ መጥቃዕትታት ምፍሻሉ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ድሕንነትን ፌዴራል ኣፍሊጡ። እቲ ግብረ ሓይሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥  ኣባላት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት፣ ግንባር ነፃነት ጋምቤላ…

መራኸብቲ ሓፋሽ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ውፅኢታዊ ንክኸውን ማሕበረሰብ ካብ ምንቓሕ ብተወሳኺ  ኣብ ምስታፍ ምትካል ፈልሲ  እውን ድርብ ሓላፍነት ኣለዎም-…

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓላፍነት መራኸብቲ ሓፋሽ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ውፅኢታዊ ንክኸውን ማሕበረሰብ ካብ ምንቓሕ ብተወሳኺ  ኣብ ምስታፍ ፈልሲ ምትካል እውን ድርብ ሓላፍነት ከምዘለዎም ዋና ፈፃሚ ስራሕ  ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት  ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው ተዛሪቦም።…

ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ብልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዝተሃነፁ ፕሮጀክትታት ተመሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ብልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዝተሃነፁ  20 ፕሮጀክትታት ልምዓት ተመሪቖም። እቶም ፕሮጀክትታት ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ወ/ሮ ፈትያ ኣደም፣ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣይተ ከድር…