Fana: At a Speed of Life!
Monthly Archives

August 2023

ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ህፁፅ ጉባኤ የካይድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ 6ይ ዙር፤ 2ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 1ይ ህፁፅ ጉባኤኡ ኣብ ከተማ ባህዳር የካይድ ኣሎ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ንሓደ መዓልቲ ኣብ ዘካይዶ ህፁፅ ጉባኤ÷ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ሰላም ድሕንነትን እቲ ክልል ከምዝዛተ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡…

ግድባት መፈልፈሊ ሓይሊ እኹል ማይ ከምዝሓዙ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ግድባት መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እኹል ማይ ከምዝሓዙ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ዳይሬክተር ኮርፖሬት ኮሙኒኬሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ሞገስ መኮንን ከምዝበሉዎ÷ ጣቢያታት መፈልፈሊ ሓይሊ ጊቤ 3፣ ገናሌ ዳዋን ጊቤ 1 ሓይሊ ንምፍልፋል…

ኢትዮጵያውያን ዝሳተፉሉ መፃረዪ ውድድር 800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ሎሚ ካካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ወርቅነሽ መለሰን ሃብታም ኣለሙን ዝሳተፉሉ መፃረዪ ውድድር 800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ሎሚ ምሸት 3፡25 ኣብ ቡዳፔስት ክካየድ ኢዩ፡፡ እተን ኣትሌታት ነፍፃመ ንምሕላፍ ከካብ ምድበን 1ይ ወይ 2ይ ክወፅኣ ትፅቢት ይግበረለን። እቲ መፃረዪ…

ተመረቕቲ ዓውዲ ድሕንነት ኣቬሽን ዘጋጥሙ ተለዋወጥትቲ ስግኣታት ንምምካት ዓቕሚ ከምዝኾኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ብሄራዊ መረዳእታን ድሕንነትን ኣብ ዓውዲ ድሕንነት ኣቬሽን ዝሰልጠኑ ሰብ ሞያ ኣመሪቑ። ምክትል ዳይሬክተር ጀነራል እቲ ትካል ሲሳይ ቶላ፥ ኣብ ኢንዱስትሪ ኣቬሽን ብንቕሓት ክረኣዩ ዝግበኦም ተለዋወጥቲ ሓደጋታት ኣለዉና ኢሎም።…

ኢትዮጵያን ዛምቢያን ንሓበራዊ ረብሓ ዝሕግዙ ዝምድናታት ክፈጥራ ይግባእ- በለጠ ሞላ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ዛምቢያን ንሓበራዊ ረብሓ ዝሕግዙ ዝምድናታት ክፈጥራ ይግባእ ክብሉ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም። ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ምስ ኣምባሳደር ዛምቢያ ኣብ ኢትዮጵያ ሮዝ ሳካላ ዘቲዮም።…

ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ምስ ኣፈፃሚት ጉዳይ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ምስ ኣፈፃሚት ጉዳይ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትሬሲ ጃኮብሰን ዘቲዮም። እቲ ዘተ፥ ኣብ ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ገፀር፣ ውሕስነት ምግቢ፣ ኣሲዳማነት ሓመድን ጥዕና ሓመድን ጠመተ ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ። ብተወሳኺ  ኣብ…

ኣብ ብዙሓት ዓውዲታት ዝጠመተ ስምምዕነት ምስ ቻይና ምግባሩ ልዑል ዓወት ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)እዋን እፎይታ መኽፈሊ ልቓሕ ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ዓውዲታት ዝጠመተ ስምምዕነት ምስ ቻይና ምግባሩ ልዑል ዓወት ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ምስ ዝሳለጥ ዘሎ ጉባኤ ብሪክስ ጎኒ ንጎኒ ቀዳማይ ሚኒስትር…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ዘቲዮም። እቲ ዘተ ብፍላይ ኢትዮጵያ ናብ ጉጅለ ብሪክስ ምፅንባራ ስዒቡ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምብራኽ ዝዓለመ ኢዩ። ክልቲኦም መራሕቲ ብፖለቲካ፣ ግብርና፣…

ብ264 ሚሊየን ብር ዝተዓደጋ 25 ተሽከርከርቲ መወገድቲ ፈሳሲ ርስሓት መቐለ ሓዊሱ ን8 ከተማታት ተዋሂበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ብ264 ሚሊየን ብር ዝተዓደጋ 25 ተሽከርከርቲ መወገድቲ ፈሳሲ ርስሓት መቐለ ሓዊሱ ን8 ከተማታት ሂቡ። ሚኒስትር ዴኤታ ኣምባሳደር ኣስፋው ዲንጋሞ፥ ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ ሓገዝ ገንዘብ ዝተዓደጋ ኢየን ኢሎም። ሎሚ…

ፕሬዚዳንት ቢን ዛይድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዑደት ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዘጠናኽር ኢዩ-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኢምሬትስ ሕቡራት ዓረብ መሀመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዑደት ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዘጠናኽር ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ። ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር መለስ ኣለም፥ እቲ ዑደት…