ተሞክሮ ግፋ ካብ ሻዕቢያ ዝቐድሐ ዘይሕጋዊ ህወሓት
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብዚ ቐረባ እዋን ንመናእሰየ እቲ ክልል ብግዲ እናገፈፈ ናይ ውግእ ፃውዒት የስምዕ ኣሎ። ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ካብ ኲናት ወፃእ ኣፈላላይ ብሰላማዊ ዘተ ናይ ምፍታሕ ታሪኽ ዘይብሉ እዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ፤ ምስ ወፃኢ ሓይልታት ብምትሕብባር እስትንፋሱ ንምንዋሕ ፃሕተርተር ይብል ኣሎ።
እቲ ጉጅለ ኣብቲ ክልል ብስፍሓት ዘካይዶ ዘሎ ኣገዳዲ ግፋ ድማ ኣብ ኤርትራ ብመንግስቲ ሻዕቢያ ካብ ዝካየድ ግፋን ወተሃደራዊ ስልጠናን ዝተቐድሐ ምዃኑ ብግልፅ ይፍለጥ።
እዞም ክልተ ጉጅለታት ናይ ህዝቢ ሕቶታት ኣብ ክንዲ ምፍታሕን ናይ ለውጢ ሓሳብ ካብ ምቕባልን፤ ኣብ 1970ታትን 1980ታትን ዝነበረ ኣረኣእያ ከምዝተተኸሉ እዚ ተግባሮም መርኣያ እዩ።
“ብርጌድ ንሓመዱ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ንስርዓት ሻዕቢያ ዝቃወም ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ኣባል ዝኾነ መንእሰይ ሃብቴ ከበደ ብዛዕባ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ግፋ ንፋና ዲጂታል ርእይቶኡ ሂቡ።
በዚ ድማ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ግፋ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ተመሳሳሊ እዩ ኢሉ። ሃገራት ካብ ጎረባብተን ናይ ልምዓት ተመኩሮ ዝመሃራሉ ኣብዚ ዘመን እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ግና ውግእ፣ ጎንፂን ጭቆናን ካብ ጎረባብቱ ብምቕዳሕ ምስ እዋኑ ዘይሳነ መገዲ ይኽተል ከም ዘሎ ኣርእዩ ኢሉ።
እዞም ሓይልታት መበገሲኦምን ዕብየቶምን ተመሳሳሊ መሰረት ከም ዘለዎ ብምሕባር ዝፍፅምዎ ዘለዉ እኩይ ተግባር ንህዝቢ ዘይጠቅም ምዃኑ ገሊፁ።
መንእሰይ ሃብቴ ከም ዝበሎ፤ ኣዴታት ትግራይ ኢሉ እውን መላእ ህዝቢ እቲ ክልልን ዘሕልፍዎ ዘለዉ መከራ ኣዝዩ ከቢድ እዩ ዝበለ እቲ መንእሰይ፤ ጭንቀት ኣዴታት እንትሕሰብ ልብኻ ዘድሚን ዘሕዝንን ጉዳይ ምዃኑ ገሊፁ።
“እዚ ተግባር ግፋ ቅድሚ ሕዚ ዝፈልጦ ኣብ ኤርትራ ጥራይ እዩ ነይሩ፤ ሕዝ ግና ኣብ ትግራይ እውን ክፍፀም ምርኣየይ፣ ክልቲኦም ጉጅለታት መሰረቶም ጥፍኣት ጥራይ ምዃኑ ዘመላኽት” ኢዩ ኢሉ።
ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ዕንክሊል ኲናት ዘይምውፃእ፣ መፃኢ ተስፋ መንእሰያት ዘፀልም፣ ኣዴታት ትግራይ ኣብ ዘይቋረፅ ሓዘን ዘእቱ፣ ከምኡ እውን ዕብየት እቲ ክልል ዘዳኽም ድሑር ኣካይዳ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
ኣብ መወዳእታ፣ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ክልል ትግራይ እውን ይድገም ኣሎ ክብል ገሊፁ። ተቓወምቲ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ደው ክብሉን ነዚ ተግባር ክኹንኑን ይግባእ ክብል ፀዊዑ።
ነዚ አገዳዲ ግፋን ብፈሻ ኣብቲ ክልል እናተርኣየ ዘሎ ሰብኣዊና ዴሞክራሲዊ መሰላት ዓፈና መላእ ኢትዮጵያዊያንን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ንኽፈልጦን ከውግዞን ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናተኻየዱ ይርከቡ፡፡
ካብ ሞንጎ እዞም ተግባራት 12 ሓምለ 2018 ዓ.ም “ግፋ ይቑም ሰላም ይዕሰል” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ዝተኻየደ ሰልፊ ኣገዳዲ ወታደራዊ ምልመላን ምድላው ኲናትን ጠጠው ንኽብል ዘሓቲቱ ኢዩ፡፡
ኣብቲ ክልል በቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዝተኣወጁ ዓፈንቲን ጨቆንቲን ኣዋጃት ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ክፈልጦ ተገይሩ ኢዩ።
ድሌት ህዝቢ ትግራይ ብሰላም ምንባር እምበር ንመሰንበቲ ስልጣን ሒደት ጉጅለታት ተባሂሉ ደቁ መስዋእቲ ምግባር ኣይኮነን፡፡ መሰረታዊን ግዘ ዘይህብን ሕቶ ህዝቢ እቲ ክልል ንምምላስ ነቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ የኣኽለካ ክበሃል ይግባእ፡፡
ብእመቤት ሲሳይ