Fana: At a Speed of Life!

“ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ይሙት፤ ይፈቐደሉ”

እቲ ዝፈራረሰ ጉጅለ ህወሓት ዳግማይ ናብ ኲናት ይደፍእ ኣሎ። ደም እንተዘይሰትዩ ዘይዓግብ ጨካን ጉጅለ መሬት ፀቢባቶ ሰማይ እንተዘይገሓጥኩ ይብል ኣሎ።

ንህዝቢን ውዳበታትን ክልል ትግራይ ዓጊቱ ብመሓዝ፤ ህልቂትን ኲናትን ምእዋጅ መዓልታዊ ተግባሩ ገይሩዎ ኣሎ።

ህዝቢ ትግራይ ኲናት የኣኽለኒ፤ ሰላም ይኹን እናበለ ምሕፅንታኡ የስምዕ እምበር፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ግን ሰላም ኣይደልን ኲናት ይኹነለይ እናበለ ይፅውዕ ኣሎ።

ኣብ ኣፍ መቓብር ዝርከቡ ኣረጋውያን፤ ብሞት ዕሸል መናእሰይ ህይወቶም ከናውሑ ይፍትኑ ኣለዉ። ኣረግቶት ዘወርቲ ናይቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ካብ ኣስመራ መዘናኦም ዝተማህርዎ ነገር እዚ እዩ።

ብሞት መናእሰይ ምንባር፤ ብደም ሰብ ምንጋድ ካብ ሻዕብያ ዝተማህርዎ ትምህርቲ እዩ። እዚ ኩነታት ድማ ሎሚ ኣዶ ትግራይ ደቃ ካብ ሕቝፋ ተሓዲጉ ናብ ዕዳጋ ኲናት ንኽቐርብ የገድድ ኣሎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ፀሓይ ናይቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ትዓርብ እያ ዘላ። እቲ ጉጅለ ብሓፂሩ ዓማፂ ኮይኑ ተወሊዱ፣ ናብ መንግስቲ ደረጃ ዓብዩ፣ ድሒሩ ድማ ቁልቁለት ናብ ጉጅለ ዕጡቕ ተመሊሱ ዕድሚኡ ዛዚሙ ኣሎ።

እዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ፤ ሎሚ እውን ኣብ 1970ታትን 1980ታትን ዘሎ ኢዩ ዝመስሎ። ብጓንዴ፣ ደው ኢልካ ተፀበየኒን ብማዕበል ሰብን ኲናት ስዒሩ ዳግማይ ናብ ስልጣን ናይ ምምላስ ሕልሚ ይሓስብ ኣሎ።

እቲ ጉጅለ ካብ ስልጣን ወፃእ ካልእ ራኢ፤ ካብ ዘረፋ ዝሓለፈ ትልሚ ስለዘይብሉ፣ ህዝቢ ትግራይ ነፂጉዎ ኣሎ። እቶም ሞትና ሙቱልና ተባሂሎም ዝተፀውዑ መናእሰየ ትግራይ እውን፤ ህይወትናን ኣካላትናን ንዓኹም ምቾት ኢልና ኣይንስውእን ዝብል ንፁር መልሲ ሂቦም ኣለዉ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዕድመ ብዝደፍኡ ኣረጋውያን ዝቖመ እኩብ እዩ።

ንህዝቢ ትግራይ ሰላም ህይወቱ እንተኾን፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ድማ ፖለቲካዊ ኣወዳድባኡን ኣተሓሳስባኡን ኣብ ጎንፂን ኣለሻ ፀላእቲን ዝተመስረተ እዩ።

ብምዃኑ ድማ ህወሓት ካብ ኲናት ንላዕሊ ሰላም ስለዝፈርሕ፤ ህይወቱ ከፅንሕ ዝኽእል ድማ ኣብ ኲናት እንትኸውን ጥራሕ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሰላም ህይወት ዘይብሉ ህወሓት፣ ትግራይ ሰላም እንትትከውን መወዳእታኡ ክሰልጥ እዩ።

ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓትን ዘሎ ግብግብ እውን እዚ እዩ፡፡ ህዝብ ብሰላም ንንበር እንትብል፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ግን ብኲናት ንንበር ዝብል ቅዋም ሒዙ ኣሎ።

ኩሉ ሰብ ከምዝርድኦ፤ ትዕቢትን ድርቀትን ህወሓት ናብ ኣፍ መቓብር ኣብፂሑዎ ኣሎ። ሕዚ ዝተረፈ ቃልሲ ርእሱ ክኢሉ ፖለቲካዊ ሞት ንኽመውት ምሕጋዝ ጥራሕ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ብቓልሲን እምቢታን፤ ኢትዮጵያውያን ድማ ብሓድነትን ፅንዓትን፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ብጥበብን ትዕግስቲን ንፃውዒት ሒዘኩም ክመውት እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ እናፍሸሉዎ ይርከቡ። መፍትሒኡ እውን እዚ እዩ፤ ነጋሪት ሓቢርና ንሙት ዝወቅዕ ዘሎ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት በይኑ ብሰላም ንኽመውት ምፍቃድ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.