ክልል ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ካብ ምሕላው ሓሊፉ ታሪኽ ናይ ምሕዳስ ተግባራትና ኣጠናኺርና ክንቀፅል ኢና – ሌ/ጄ ይልማ መርዳሳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ክልል ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ካብ ምሕላው ሓሊፉ ታሪኽ ናይ ምሕዳስ ተግባራትና ኣጠናኺርና ክንቀፅል ኢና ክብሉ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌተናል ጄነራል ይልማ መርዳሳ ኣፍሊጦም፡፡
እቶም ዋና ኣዛዚ ልዕሊ 37 ዓመት ካብ ኣገልግሎት ወፃእ ኮይና ዝፀንሐት ነይ ነበር ፕሬዚዳንት ኢትዮጵያ መንግስቱ ሃይለማሪያም እናተንቀሳቐሱላ ዝነበረት DHC-5 Buffalo ኣውሮፕላን ፅገና ብምግባር ናብ ስራሕ ዘእተዉ ኢንጂነራትን ቴክኒሺያናትን ኣመስጊኖም፡፡
ሌተናል ጄኔራል ይልማ ኣብቲ እዋን÷ እታ ኣውሮፕላን ሙሉእ ፅገና ዝተገበረላን ምስ ግዚኡ ዝተወሃዱ ቴክኖሎጂታትን ዝተገጠላ ከምዝኾነት ተዛሪቦም፡፡
ሰራዊት ምክልኻል ዕጥቂታት ካብ ምግዛእ ብተወሳኺ ኣፍራዪ ንምዃን እናገበሮ ኣብ ዝርከብ ፃዕሪ ዝበረታታዕ ውፅኢት እናተረኸበ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ሓዪ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ብምሕንፃፅ እናተንቀሳቐሰ ከምዝርከብ ፀሪሖም፡፡
ስራሕ ካናዳ ዝኾነት DHC-5 Buffalo ኣውሮፕላን ነበር ፕሬዚዳንት ኢትዮጵያ ካብ ሃገር እንትሃድሙ ክሳብ ኬንያ ዝኸዱላ ኣውሮፕላን ምዃና ታሪኻዊት ከምዝገብራ ምግላፆም ሓበሬታ ሰራዊት ምክልኻል የመላኽት።