Fana: At a Speed of Life!

ብደቂ ተባዕትዮ 3 ሺሕ ሜትር መሰናክል ኣትሌት ሳሙኤል ፍሬው ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ.ኤም.ሲ) ብደቂ ተባዕትዮ 3 ሺሕ ሜትር ጉያ መሰናክል ውድድር ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሳሙኤል ፍሬው ተዓዊቱ፡፡

ኣብ ውድድር ቻይና ዢያሚንግ አትሌት ሳሙኤል ብ 8:05.61 ብምእታው ናይቲ ቦታ ክብረወሰንን ናይዚ ዓመት ርሕቐት ቅልጣፈን ብምምዝጋብ ብልዑል ብቕዓት ክስዕር ክኢሉ፡፡

ሞሮኳዊ ሻምፕዮን ኦሎምፒክ ኣትሌት ኤልባካሊን ካልኣይ ከምኡ እውን ኬንያዊ ሲሞን ኮኤች ድማ ሳልሳይ ደረጃ ሒዞም ምዝዛሞም ኣብ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብተመሳሳሊ እውን ቅድም ኢሉ ብዝተገበረ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ 5 ሺሕ ሜትር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ካብ ካልኣይ ክሳብ ሻውዓይ ብምዃን ዛዚመን፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.