ኣሌክሳንደር ኣርኖልድ ካብ ናይ ቁልዕነት ክለቡ ከምዝፈላለ ኣረጋጊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ትሬንት ኣሌክሳንደር ኣርኖልድ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ስፖርት ካብ ናይ ቁልዕነት ክለብ ሊቨርፑል ክወፅእ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።
ኣሌክሳንደር ኣርኖልድ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከምዝጠቕዖ÷ ባዕሉ ኣብ ሓዱሽ ክለብን ኣብ ካልእ ቦታን ክፍትን ብምድላዩ ካብ ሊቨርፑል ክወፅእ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።
ናብ ሓዱሽ ክለብ ምኻዱ ዘለዎ ዓቕሚ ብሙሉእ ኣውፅኡ ክጥቐም ከምዝኽእል እዩ ዝገለፀ፡፡
ንዘዕበዮ ክለብ እውን ዘለዎ ኣኽብሮትን ፍቕርን ብምግላፅ ንምልቃቕ ዝወሰነ ምስ ጉዳይ ገንዘብ ዝተትሓሓዘ ዘይምዃኑ ሓቢሩ፡፡