Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት መዲና ኢሳ ኣብ ማንቸስተር ኣብ ዝተኻየደ 10 ኪ.ሜ ውድድር ጉያ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣትሌት መዲና ኢሳ ኣብ ማንቸስተር ኣብ ዝተኻየደ 10 ኪሎ ሜትር ውድድር ጉያ ተዓዊታ፡፡

አትሌት መዲና ኣብቲ ውድድር ኣብ 30 ደቒቓን 42 ሰከንድን ብምእታው ቀዳመይቲ ኮይና ምስዓራ ካብ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብዚ ውድድር ዝተሳተፈት ካሊእ ኣትሌት ጎይተቶም ገ/ስላሴ ድማ ብ31 ደቒቕን 11 ሰኮንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ሳልሳይ ብርኪ ብምሓዝ ዛዚማ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ማንቸስተር ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 10 ኪሎ ሜትር ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ሰለሞን ባረጋ ተዓዊቱ።

ኣትሌት ሰለሞን ባረጋ ብ27 ደቂቅን 49 ሰኮንድ ብምእታው ብቀዳማይ ብርኪ ምዝዛሙ ኣብ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብዚ ውድድር ዝተሳተፈ ኣትሌት ሞስነት ገረመው ብ28 ደቂቅን 21 ሰኮንድን ብምእታው 4ይ ብርኪ ብምሓዝ ዛዚሙ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.