ሲሚንቶ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ኣብ ዓመት ናብ 20 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ክብ ምባል ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ሲሚንቶ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ኣብ ዓመት ናብ 20 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ክብ ምባል ከምዝተኽኣለ ሚኒስትር ዕደና ሃብታሙ ተገኝ (ኢ/ር) ገሊፆም።
ኣርባዕተ ፋብሪካታት መቀነባበርቲ ፈሓም እምኒ ናብ ስራሕ ብምእታው ዓቕሚ ምፍራይ ስሚንቶ ናይ ምዕባይ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ እቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም።
ንቀረብ እታዎት ኮንስትራክሽን ኢንዱስትሪ ምላሽ ንምሃብ ኣብ ሓፂነ መፂን፣ እምነ በረድ፣ ስሚንቶን ካልኦት ዓውዲታትን ዓቕሚ ምፍራይ እናተፈጠረ ከምዝኾነምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ብሽርክና ሰብ ሃፍቲ ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ሓፂር ግዘ መስፋሕፍሒ ዝተሃነፀሉ ፋብሪካ ስሚኒቶ ፓዮኔር እውን ልዑል ፅርየት ዘለዎ ፍሪያት ናብ ምፍራይ ምሽግጋሩ ኣረዲኦም።