Fana: At a Speed of Life!

ስርዓት ትራንስፖርት ዘሳልጥ ተግባራት ተጠናኺሮም ቀፂሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ስሉጥ ስርዓት ትራንስፖርት ንምፍጣር ዘኽእሉ ተግባራት ተጠናኺሮም ምቕፃሎም ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ዝተሃነፀ መዕረፊ ተሸከርካሪ የካ 2 መሪቐን ስራሕ ኣጀሚረን፡፡

ኣብቲ እዋን፤ ድሕሪ ለውጢ 35 ሺሕ ተሽከርከርቲ ምትእንጋድ ዘኽእል 150 መዕረፊ ተሽከርከርቲ ተሃኒፆም ንግልጋሎት ምብቕዖም ገሊፀን፡፡

ብተወሳኺ ስርዓተ ትራንስፖርት ዘሳልጡ ተሽከርከርቲ፣ ብሽክለታን መገዲ እግረኛታትን ብስፍሓት ተሃኒፆም ግልጋሎት ይህቡ ኣለው ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እቲ ሎሚ ዝተመረቐ መዕረፊ ተሽከርከርቲ ኣብ ሓደ እዋን 1 ሺሕ ተሽከርከርቲ ምትእንጋ ዝኽእል እዩ ተባሂሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.