Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዉሽጢ ብዙሓት ፈተናታት ኮይንና እውን ዝነኣዱ ዓወታት ኣመዝጊብና ኢና – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ብዙሓት ፈተናታት ኣጋጢሞምና ዝነኣዱን ተኣምር ክበሃሉ ዝኽእሉን ዓወታት ኣመዝጊብና ኢና ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት፥ ፈተናታት ኣብ ዉሽጥና ዘሎ ዓቕሚ ንምውፃእ ኣኽኢሉና ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ቅድሚ ለውጢ ኣብ መከላከያ፣ ድሕንነት፣ ሳይበር ድሕንነትን ካሊእን ኣብ ውሽጢ ትካላት ዝነበረ ብቕዓትን ሐዚ ዘሎን ልዑል ኣፈላላይ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ልዑል ብቕዓት ከምዝተፈጠረ ኣረጋጊፆም።

130 ሚሊየን ህዝቢ ስለዘለና ጥራሕ ሰልጢንና፣ ተወዲብና፣ ብሓደሽቲ ፍልጠታትን ታክቲክን ሉእላውነት ሃገርና ንምክልኻል ዘለና ዓቕሚ ንውድድር ዝበቅዕ ኣይኮነን ኢሎም።

እቶም ፈተናታት እንተዘይፍጠሩ በዚ ልክዕ ክንውደብ ምንባርና እጠራጠር ኢየ ክብሉ ገሊፆም።

ብዮናስ ጌትነት

 

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

Website www.fanamc.com/tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.