Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ፃዕሪ ኣሜሪካ ትድግፍ እያ – ኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ሰላማውን ዲፕሎማስያውን ፃዕሪ መንግስቲ ኣሜሪካ ይድግፍ እያ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት እናመዘገበት ምዃና ገሊፆም÷ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋዕን ንምርግጋፅ ኣሜሪካ ምስ ወሳኒት መሓዘኣ ኢትዮጵያ ብሓባር ከምትሰርሕ ተዛሪቦም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ብሰላማውን ዲፕሎማሲያዊን መገዲ በሪ ባሕሪ ንክትረክብ ከምእትሰርሕ ብኣፅንኦት ምግላፆም ይዝከር፡፡

ኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋ ኢትዮጵያ ብዙሕ ቁፅሪ ህዝቢ ዘለዋ ቅልጡፍ ኢኮኖሚ ዕብየት እናመዝገበት ከምትርከብ ኣልዒሎም፤ እዚ ቅልጡፍ ዕብየት ኢኮኖሚ ከምዝቕፅል ትንበያ ምንባሩ ኣመልኪቶም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ዓባይ ጥራሕ ዘይኮነትስ ዓቕሚን ፅዕንቶን ዘለዋ ሃገር እያ ዝበሉ ኣምባሳደር ማሲንጋ ኣብቲ ዞባ ምርግጋዕን ሰላምን ንምስፋን ብሓባር ከምዝሰርሑ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

Website www.fanamc.com/tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.