ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ፃዕሪ ኣሜሪካ ትድግፍ እያ – ኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ሰላማውን ዲፕሎማስያውን ፃዕሪ መንግስቲ ኣሜሪካ ይድግፍ እያ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት እናመዘገበት ምዃና ገሊፆም÷ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋዕን ንምርግጋፅ ኣሜሪካ ምስ ወሳኒት መሓዘኣ ኢትዮጵያ ብሓባር ከምትሰርሕ ተዛሪቦም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ብሰላማውን ዲፕሎማሲያዊን መገዲ በሪ ባሕሪ ንክትረክብ ከምእትሰርሕ ብኣፅንኦት ምግላፆም ይዝከር፡፡
ኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋ ኢትዮጵያ ብዙሕ ቁፅሪ ህዝቢ ዘለዋ ቅልጡፍ ኢኮኖሚ ዕብየት እናመዝገበት ከምትርከብ ኣልዒሎም፤ እዚ ቅልጡፍ ዕብየት ኢኮኖሚ ከምዝቕፅል ትንበያ ምንባሩ ኣመልኪቶም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ዓባይ ጥራሕ ዘይኮነትስ ዓቕሚን ፅዕንቶን ዘለዋ ሃገር እያ ዝበሉ ኣምባሳደር ማሲንጋ ኣብቲ ዞባ ምርግጋዕን ሰላምን ንምስፋን ብሓባር ከምዝሰርሑ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
Website www.fanamc.com/tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana