ኣይተ ኣደም ፋራህ 2ይ ጎስጓስ ሃገራዊ ምክልኻል ብክለት ከባቢ ኣጀሚሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ኣይተ ኣደም ፋራህ 2ይ ጎስጓስ ሃገራዊ ምክልኻል ብክለት ከባቢ ኣጀሚሮም፡፡
ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ መጀመሪ መርሃ ግብሪ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሓለዋ ከባቢ ወሳኒን መሰረት ብልፅግናን እዩ ኢሎም፡፡
ስራሕቲ ሓለዋ ከባቢ ጥዕና ዜጋታትን ንክሕሎን ማሕበራዊ መነባብሮ ንምምሕያሽን ልዑልኣበርክቶ ከምዝገብር ብምግላፅ፤ መንግስቲ ፅሩይ ኢትዮጵያ ንምፍጣር ኣብ ፕሮግራም ሓምለዋይ መርሃ ግብሪ፣ ልምዓት ኮሪደር፣ ተሓዳሲ ሓይሊን ከምኡ እውን ብዙሓት ስራሕቲ ምስርሑ ተዛሪቦም፡፡
ኣብቲ ጎስጓስ ግንዛበ ምሃብ፣ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ንምዕባይ፣ ልዕልና ሕግን ስርዓትን ምስፋንን ሰናይ ስራሕቲ ንዝሰርሑ ኣፍልጦ ናይ ምሃብ ስራሕቲ ብትኹረት ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ብግዲአን፤ ኣብ ዓለም ለውጢ ከባቢ ኣየር ልዑል ፅዕንቶ እናሕደረ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ነዚ ንምንካይ ዝሕግዝ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብቢልየናት ዝቑፀሩ ፈልሲ ምትካሎም ኣረዲአን፡፡
ብዮናስ ጌትነት
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
Website www.fanamc.com/tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana