መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ እኹል ምድላው ተገይሩ ብምትግባሩ ጭቡጥ ውፅኢት ተመዝጊቡ – ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ የማክሮ ኢኮኖሚ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ እኹል ምድላው ተገይሩ ብምትግባሩ ጭቡጥ ውፅኢት ተመዝጊቡ ኢሎም።
እቶም ሚኒስትር እዋናዊ ጉዳያት ኣፈፃፅማ ኢኮኖሚ ጠሚቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘላቒ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ምምዝጋብ ብዘኽእል ዘተባብዕ ከይዲ ይርከብ ኢሎም።
ሸርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ንክትመን ምግባሩ፣ ናይ ፊስካል ፖሊሲን ሓዱሽ ናይ ገንዘብ ፖሊሲታትን ተግባራዊ ምዃነም፣ መመሓየሺታት ሕጊ ምክያዶም ልዑል ውፅኢት ንክምዝገቡ ምኽኣሎም ተዛሪቦም።
ሸርፊ ወፃኢ ብዝተረጋገዐ መገዲ ከምዝቐፀለን ብልዑል ኩነታት ዝዓበየሉ ዓመት ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ንግዲ ወፃኢ ኢትዮጵያ ልዑል ምዕባለ ምምዝጋብ ምኽኣሉ ውፅኢት መመሓየሺ ኢኮኖሚ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብዚ ባጀት ዓመት 8 ነጥቢ 4 ምኢታዊ ዕድገት ከመዝግብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ኣብሪሆም።
ልዑል ኣታዊ ዕብየት ንክምዝገብን ናህሪ ዋጋ ትሕት ንክብልን ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ኢትዮ- ቴሌኮም፣ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ወዘተ ኣፈፃፅመኦም ይውስኽ ከምዘሎ ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።