ፍፃመ ፀወታ ኔሽንስ ኣውሮፓ ሊግ ሎሚ ምሸት ክካየድ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኔሽንስ ኣውሮፓ ሊግ ፖርቹጋል ምስ ስፔን ሎሚ ምሸት ዝገብርኦ ፍፃመ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ።
እቲ ፀወታ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ሙኒክ ስቴድየም ኣሊያንዝ ኣሬና ዝካየድ እንትኸውን ክልቲአን ክለባት ብመንፅር ዘለዉወን ብሉፃት ተፃወትቲ ብተመልከቲ ትፅቢት ዝግበረሉ ኮይኑ እዩ።
ብወገን ፖርቹጋል ወዲ 40 ዓመት ክሪስትያኖ ሮናልዶ ሓዊሱ ቪቲኒሃ፣ጆዓዖ ኔቬስ ዝኣመሰሉ ከዋክብቲ ዘካይድዎ ምንቅስቃስ ትፅቢት ዝግበረሉ እንትኸውን፤ብወገን ስፔን ኮኾባት ባርሴሎና ላሚንያማል፣ፔድሪን ዝኣመሰሉን ተፃወትቲ ትፅቢት ይግበረሎም።
ኣብ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ኔሽንስ ሊግ ፖርቹጋል ንጀርመን 2 ን 1 ብምስዓር ናብ ፍፃመ ዝሓለፈት እንትትኸውን ፤ስፔን ብግደኣ ኣብ ልዕሊ ፈረንሳይ 5 ን 4 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ እያ ናብ ፍፃመ በፂሓ።
ሎሚ ሰዓት 10 ጀርመንን ፈረንሳይን 3ይ ጀረጃ ሒዘን ንምዝዛም ክፃወታ እየን።
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
Website www.fanamc.com/tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana