ቻይና ሃገራት ደቡብ ኣብ ሓበራዊ ዕቤት ብሓባር ንኽሰርሓ ፀዊዓ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቻይና ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ደቡብ ኣብ ሓበራዊ ራኢን ዕቤትን ብሓባር ንኽሰርሓ ፃውዒት ኣቕሪባ፡፡
ቻይና ምስ ሃገረት ኣፍሪካን ደቡብን ዘለዋ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዝተበፅሐ ስምምዕነት ቻንግሻ ኣፈፃፅምኡ ብዝምልከት ሓበራዊ ምኽክር ብምግባር መንግስቲ ቻይናን ተወከልቲ 53 ሃገራት ኣፍሪካ ሓበራዊ መግለፂ ሂበን፡፡
ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና÷ ኣብቲ ዘተ ሓበራዊ ራኢ ሃገራት ደቡብ ቀፃ ዕድል ዓለም ዝውስን ብምዃኑ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ምትሕብባረን ንኸጠናኽሩ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ገሊፁ።
ኢኒሼቲቭ ሃገራት ደቡብ ኣብ ዝኾነ ፕሮጀክትቤልት ኤንድ ሮድ፣ ኢኒሼቲቫት ዓለም ለኸ ድሕንነትን ሉላዊነትን (ግሎባላይዜሽን) ብሓባር ክሰርሓ ከምዝግባእ ኣ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ኣፍሊጡ፡፡
ኣብ ሓደ ዋልታ ዝቐውም ኢኮኖሚን ፖለቲካን ዓለም ምፍጣር ኣብ ምዕባይ ንዝርከባ ሃገራት ኣብ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ፅዕንቶ ዘእቱ ብምዃኑ ሃገራት ደቡብ በዓል ብዙሕ ዋልታ ዓለም ኣብ ምፍጣር ብሓባር ክሰርሓ ከምዝግባ እውን ኣብ ሓበራዊ ቅዋም ተታሒዙ፡፡
ሃገራት ምጣነ ታሪፈን ብመምርሒ ማዕርነት፣ ምክብባርን ሓበራዊ ተረባሕነትን ክውስና ከምዘለወን ተላዒሉ፡፡
ተወከልቲ ሃገራት ኣፍሪካ ብግደአን÷ ቻይና ንምርግጋፅ ሉኣላዊነት፣ ማዕርነትን ፍትሒን ሃገራት ኣፍሪካ ትገብሮ ፃዕሪ ንኢዶም፡፡
ርክብ ቻይናን ኣፍሪካን ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት፣ ኢ-ኮሜርስን ኢ-ፔይመንት፣ ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጂን፣ ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ፣ ኣብ ፀፅታን ድሕንነትን፣ ኣብ ፋይናንስን ካልኦት ዓውዲታትን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!