Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ሓደ ህፃን ሓዊሱ ህይወት 9 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ሎሚ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ወዲ ሓደ ዓመት ህፃን ሓዊሱ ህይወት 9 ሰባት ሓሊፉ፡፡

ዳይሬክተር ርክብ ህዝብን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ÷ እቲ ሓደጋ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ብልሙድ ወረዳ 3 ተባሂሉ ዝፅዋዕ ቦታ እዩ ዝበፅሐ፡፡

ካብ ሃይለ ጋርመንት ናብ ኣደባባይ ዩኒሳ ይጉዓዝ ዝነበረ ዝነበረት ፐብሊክ ሰርቪስ አውቶቡስ ምስ ከቢድ መኪና ብምግጫዋ መንገዳ ስሒታ ናብ ካሊእ ኣንፈት ከምዝኸደት ኣብሪሆም።

ነዚ ስዒቡ ድማ እታ ኣውቶቡስ ብኣንፃሩ ኣንፈት ድሕሪ ምእታዋ ካብ ዩኒሳ ኣደባባይ ናብ ሃይለ ጋርመንት እትጓዓዝ ዝነበረት ዶልፊን መኪና ምግጫዋ ገሊፆም፡፡

በዚ ሓደጋ ድማ ኣብቲ ዶልፊን ውሽጢ ዝነበሩ ገናሒ መኪና ሓዊሱ ህይወት 9 ሰባት ምህላፉ ተዛሪቦም፡፡

ካብቶም ዝሞቱ ውሽጢ ጓል 3 ዓመት ህፃን ከምዝነበረት ብምሕባር፤ በቲ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ 8 ሰባት ብኸቢድ መጉዳእቲ ምብፅሑ ኣረዲኦም።

ብመላኩ ገድፍ

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.