Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 15 ነጥቢ 8 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ፅዕነት ኣታዊን ወፃኢን ተጎዓዒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ እቲ ባጀት ዓመት ልዕሊ 15 ነጥቢ 8 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ፅዕነት ኣታዊን ወፃኢን ተጎዓዒዙ ኢሉ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክሰን።

ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክሰን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)፥ ናይቲ ትካል ፀብፃብ ኣፈፃፅማ መደበት 11 ኣዋርሕ  2017 ዓ.ም ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቕሪቦም።

ኣብቲ ፀብፃብ ለዕሊ 2 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ዘባናዊ ዱኽዒ ከምዝተጎዓዓዘ ተዛሪቦም።

በቢዓመቱ እናተገበረ ዝመፅአ ቀረብ ዘበናዊ ዱኽዒ ኣብ እዋኑ ንምጉዕዓዝ ልዑል ርብርብ ከምዝተገበረ እውን ገሊፆም።

ብተወሳኺ ልዕሊ 3 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ፈሳሲ ፍሪያታት ምጉዕዓዞም ብምግላፅ፥ እቲ ኣፈፃፅማ  ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ 96 ሚኢታዊት ዝሽፍን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.