Fana: At a Speed of Life!

ዕውት ልምዓት ስርናይ ኢትዮጵያ ኣብነት ኣፍሪካ እዩ – ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ስርናይ ዘመዝገበቶ ዓወት ንመላእ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብነት ዝኾን እዩ ኢሎም ነበር ፕሬዚዳንት ናይጀርያ ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ፡፡

ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ ኣብ ናይጀርያ ከተማ ኣቡጃ እናተኻየደ ዝርከብ መበል 32 ዓመታዊ ኣኼባ ባንኪ ኣፍሪኤግዚም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፤ ኣብ ኣፍሪካ ኩለመዳያዊ ዕብየት ንምምዝጋብ ብቕዓት ዘለዎ ኣመራርሓ ምሃብ ኣድላዩ ከምዝኾነ ኣረዲኦም፡፡

ኣፍሪካ ኣህጉራዊ ኣብዮት ሕርሻ ከምዘድልያ ብምሕባር፤ ነዙይ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ስርናይ ዘመዝገባቶ ዓወት ንመላእ ኣፍሪካ ኣብነት ዝኾን እዩ ክብሉ ንኢዶም።

ኢትዮጵያ ስርናይ ናብ ወፃኢ ምልኣኽ ምኽኣላ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ከምዙይ ምግባር ከምዝኽእሉ መርኣያ ምዃኑ ብምሕባር÷ ከም ኣህጉር ኣብ ካልኦት ሃገራት ክድገም ዝግብኦ ዓወት ምዃኑን ተዛሪቦም።

ዕብየት ኣፍሪካ ንምርግጋፅ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪካ ልውውጥ ንግዲ ብትኹረት ምስራሕ ይግባእ ዝበሉ እንትኾን፤ ኣብታ ኣህጉር ኩለመዳያዊ ምዕባለ ንምምዝጋብ ብቑዕ ኣመራርሓ ምሃብ ኣገዳሲ ምዃኑ ኦባሳንጆ ኣስሚሮምሉ።

በቢ ብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ ነቲ ዘመሓድሮ ዘሎ ሃዋህው ፈሊጡ ብፖሊሲታትን ስትራተጂታትን ተሓጊዙ ምምራሕ እንተኺኢሉ ህዳሰ ኣፍሪካ ምርግጋፅን ናብራ ህዝቢ ምምሕያሽን ከምዝከኣል ኣረዲኦም።

ኢትዮጵያ ካብ ተፀባይነት ስርናይ ናብ ሰደድቲ ስርናይ ዝበቕዐት ኣብ ልምዓት ጠመተ ዝገበረ ብቑዕ ኣመራርሓ ምሃብ ብምኽኣሉ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ነዙይ እውን ዘመኑ ብዝጠልቦ ቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ዓለም ለኸ ምልውዋጥ ከየድለየ ምትዕድዳግ ዝክኣለሉ ኩነታት ምፍጣር ዝተኻእለ እንትኾ፤ ንኣብነት ኡጋንዳ ንብዙሕ እተፍርዮ ልዑል ፀባ ሕፅረት ናብ ዘጋጠማ ናይጀርያ ክተቕርብ ምጅማራ ሓቢሮም፡፡

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.