ሩድ ቫን ኒስትሮይ ካብ ሌስተር ሲቲ ተፈላሊዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሌስተር ሲቲ ምስ ኣሰልጣኒ ሩድ ቫን ኒስትሮይ ከምዝተፈላለየተ ዕላዊ ገይራ፡፡
ወዲ 48 ዓመት ነበር ተፃዋታይ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ ውድድር ንሌስተር ሲቲ ምስ ተረከበ ካብ ዘካየፎም 27 ፀወታታት 5 ፀወታ ጥራሕ ኢዩ ክስዕር ክኢሉ፡፡
እታ ጋንታ ናብ ፕሪሚየር ሊግ ኣብ ዝተመለሰትሉ ዓመት ናብ ዝመፅአትሉ ሻምፒዮንሺፕ ምውራዳ ዝዝከር እንትኸውን፥ ምስ ኣሰልጣኒ ሩድ ቫን ኒስትሮይ ከምትፈላለ ብስፍሓት እናተነገረ ፀኒሑ ኢዩ፡፡
ሌስተር ሲቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውፀአቶ ዕላዊ መግለፂ ከምዝበለቶ÷ ምስ ኣሰልጣኒ ሩድ ቫን ኒስትሮይ ብስምምዕነት ተፈላሊያ፡፡
ሩድ ቫን ኒስትሮይ እውን ነታ ጋንታ ዕዉት ግዘ ብምምናይ፥ ንተፃወትቲን ኣብ ኪንግ ፓወር ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ሓቢሮምዉ ንዝሰርሑ ኣባላት እታ ጋንታን ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡
ብይለማርያም ተገኝ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!