መራኸብቲ ሓፋሽ ግዕዝይና ንምቅላስ ጠንኪረን ክሰርሓ ይግባእ- ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መራኸብቲ ሓፋሽ ግዕዝይና ንምቅላስ ጠንኪረን ክሰርሓ ይግባእ ኢሎም ሓላፊ ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)።
ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ክልል ኦሮሚያ፥ “ሚዲያ ንህንፀት ስነ ምግባርን ሰናይ ምምሕዳርን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንመራኸብቲ ሓፋሽን ሞያተኛታት ኮሚኒኬሽንን ስልጠና ሂቡ።
ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)፥ ግዕዝይና ንምዕባለ ሃገርን ልምዓትን ዕንቅፋት ብምዃኑ መራኸብቲ ሓፋሽ ግዕዝይና ንምቅላስ ጠንኪረን ክሰርሓ ይግባእ ኢሎም።
ብተወሳኺ ሓቂ ምፍላጥን ስነ ምግባር ዘለዎ ከምኡውን መሰልን ግብኡን ዝፈልጥ ዜጋ ምፍጣር ካብ መራኸብቲ ሓፋሽ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።
ካብ ጎሳ፣ ሃይማኖትን ብሄርን ኣተሓሳስባ ብምውፃእ ንኹሉ ዜጋ ማዕረ ምግልጋል ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
ብኣቤል ንዋይ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!