Fana: At a Speed of Life!

ንፅህቲ ኢትዮትጵያ ጋህዲ ንምግባር ዝተጀመሩ ተግባራት ምጥንኻር ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሌሊሴ ነሜ (ኢ/ር)ንፅህቲ ኢትዮትጵያ ጋህዲ ንምግባር ዝተጀመሩ ተግባራት ብዝበለፀ ምጥንኻር ይግባእ ኢለን፡፡

ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ንፅህቲ ኢትዮጵያ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር)ን ሌሊሴ ነሜ (ኢ/ር)ን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ከተማ ቦንጋ ተኻይዱ።

ሌሊሴ ነሜ (ኢ/ር) ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበረኦ መደረ÷ ንፅህና ከባቢ ኣብ ምሕላው ንፅህቲ ኢትዮትጵያ ጋህዲ ንምግባር ዝተጀመሩ ተግባራት ምጥንኻር ይግባእ ኢለን፡፡

ኣቦታት እቲ ክልል ሓሊዮም ዘፅንሑዎ ደኒ ብኽለት ኣየር ኣብ ምውጋድን ንናብራ ዝስማዕማዕ ከባቢ ንኽፍጠር ምቹው ባይታ ከምዝኾነ ኣልዒለን።

ብኽለት ከባቢ ምውጋድን ፅሬት ባህሊ ምግባርን ንንፅህቲ ኢትዮጵያ መሰረት ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን፡፡

ጎስጓስ ንፅህቲ ኢትዮጵያ ከተማታት ንናብራ ምቹው ንምግባር ዘኽእል ኩነታት ስለዝተፈጠረ እቲ ተግባር ባህሊ ምግባር ይግባእ ዝበሉ ድማ ርእሰ ምምሕዳር ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር) ኢዮም።

ጎስጓስ ንፅህቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓምለዋይ ኣሰር ብምትእስሳር ንምግብነት ዝውዕል ፈልሲ ምትካልን ስራሕቲ ትሩፋት ሌማት ምጉልባት ከምዘድሊ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.