ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ፅባሕ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም መብርሂ ክህቡ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣሕመድ (ዶ/ር) ፅባሕ 26 ሰነ 2017 ዓ.ም ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም መብርሂ ክህቡ ኢዮም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፈፃፅማ መንግስቲ ትልሚ 2017 ኣመልኪቱ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ክህቡ ኢዮም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ረቂቕ በጀት መንግስቲ ፌዴራል በጀት ዓመት 2018 ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ እቲ ባይቶ ናብ ፋና ዲጂታል ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!