እስራኤል ኣብ ጋዛ ን60 መዓልታት ተኹሲ ደው ንምባል ተሰማሚዓ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) እስራኤል ኣብ ጋዛ ን60 መዓልታት ተኹሲ ደው ንምባል ዘኽእሉ ቅድመ ኩነታት ንምክያድ ተስማዕሚዓ ኢሎም ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ።
ፕሬዚዳንት ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ÷ኣሜሪካ ኣብ ጋዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምቁራጽ ምስ ኩሎም ኣካላት ብቀረባ ትሰርሕ እያ ኢሎም።
ሓማስ ነቲ ስምምዕ ምቁራፅ ተኹሲ ከምዝቕበሎ ተስፋ ኣለኒ ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት፤ ነቲ ሓሳብ ዘይቕበሎ እንተኾይኑ እቲ ፀገም ክገድድ ከምዝኽእል ኣገንዚቦም።
እስራኤል ከይዲ ደው ምባል ተኺሲ ምስምዕማዓ ዋላዃ ኣይተረጋግፅ ሰብ መዚ ሃማስ እቲ ኩናት ደው ክብል መለኽዒታት እንተማሊኦም ንምስምዕማዕ ድልውቲ ምዃና ምግላፆም ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እስራኤል ጊዴዮን ሳኣር ብግዲኦም ኣብ መንግስቲ ውሽጢ ዝተገቱ ንምልቃቕ ዘኽእል ልዑል ሓገዝ ምንባሩ ሓቢሮም፤ እቲ ዕድል ብግቡእ ምጥቃም ይግባእ ኢሎም፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ