Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ልዕሊ 3 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ሰነድ ስምምዕነት ሽግሽግ ክፍሊት ልቓሕ ተፈራሪማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ልዕሊ 3 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር እፎይታ ዝህብ ሰነድ ስምምዕነት ሽግሽግ ክፍሊት ልቓሕ ምስ ኣለቃሕቲ ኮሚቴ ተፈራሪማ፡፡

ሚኒስቴር ገንዘብ ከምዝገለፆ እቲ ስምምዕነት ብሽግሽግ ዕዳ ሓበራዊ ማዕቐፍ ጉጅለ 20 ኣቢሉ ዝተፈረመ እንትኸውን፥ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ብብርኪ መምርሒ ዝተበፅሐ ሽግሽግ ልቓሕ ብዕሊ ተግባራዊ ዝገብር ኢዩ።

እቲ ስምምዕነት ንኢትዮጵያ ልዕሊ 3 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ዶላር ኣሜሪካ እፎይታ ዝህብን ንዓመታት እናተገበረዘ ዝነበረ ድርድር ዕዉት መዛዘሚ ከምዝኾነ እውን እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ነቲ ስምምዕነት ኣመልኪቶም ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝገለፁዎ፥ ክሳብ ሕዚ ናይ ዝነበረ ከይዲ ዝተንፀባረቐ መንፈስ ምትሕብባር ኣብ ከይዲ ክልተኣዊ ስምምዕነታት ከምዝቕፅልን እቲ ከይዲ ንምቅልጣፍ ከምዝሕግዝን ፅኑዕ እምነት ኣለና ኢሎም።

ኢትዮጵያ ምስ ናይ ወፃኢ ኣለቃሕታ ብምትሕብባር ምስራሓ ከምትቕፅል ብምግላፅ፥ ምስ ጠለብ ሽግሽግ ዕዳ እታ ሃገርን ኩለን ኣለቃሕቲ ብተነፃፃሪ መገዲ ምስ ምትእንጋድ መምርሒ ብዝጠዓዓም መልክዑን ስምምዕነታት ንምፍፃም ክትሰርሕ ኢያ ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኣለቃሕቲ ኮሚቴ ዝተበፅሐ ምርድዳእ፣ ሰብ ዋና ቦንድ ሓዊሱ ምስ ካልኦት ናይ ወፃኢ ኣለቃሕቲ ኣብ ስምምዕነት ንምብፃሕ ትገብሮ ፃዕሪ ብዝበለፀ ከምዘጠናኽር እውን ገሊፆም።

ብኣቤል ንዋይ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.