ኣብ ውድድር ሰርከስ ዓለም 2025 ዝሳተፍ ልኡኽ ስነ ሰርዓት ምፍናው ተካይዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ፣ ኣብ ውድድር ሰርከስ ዓለም 2025 ዝሳተፍ ልኡኽ ስነ ሰርዓት ምፍናው ተካይዱ፡፡
ኢትዮ ዊንጌት ራሽያን ስዊንግ ዝተብሃለ ጉጅለ ሰርከስ ንኢትዮጵያ ወኪላ ኣብ ሞስኮ ዝካየድ ውድድር ኣርት ሰርከስ ዓለም ክትሳተፍ እያ።
ኣብዚ ዓመት ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካብ 15 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ 200 ኣርቲስታት ሰርከስ ጥበብ ዝሳተፉ እንትኾን፤ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣባላት ጉጅለ ሰርከስ ሰነ ስርዓት ምፍናው ገይረን፡፡
እተን ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበልኦ ሰርከስ ንጥዕናን ንቕሓት ኣእምሮን ካብ ዝህቦ ረብሓ ሓሊፉ ምስሊ ሃገር ኣብ ምህናፅን ሃገር ኣብ ምፍላጥን ልዑል እጃም ኣለዎ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!