Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ውድድር ሰርከስ ዓለም 2025 ዝሳተፍ ልኡኽ ስነ ሰርዓት ምፍናው ተካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ፣ ኣብ ውድድር ሰርከስ ዓለም 2025 ዝሳተፍ ልኡኽ ስነ ሰርዓት ምፍናው ተካይዱ፡፡

ኢትዮ ዊንጌት ራሽያን ስዊንግ ዝተብሃለ ጉጅለ ሰርከስ ንኢትዮጵያ ወኪላ ኣብ ሞስኮ ዝካየድ ውድድር ኣርት ሰርከስ ዓለም ክትሳተፍ እያ።

ኣብዚ ዓመት ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካብ 15 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ 200 ኣርቲስታት ሰርከስ ጥበብ ዝሳተፉ እንትኾን፤ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣባላት ጉጅለ ሰርከስ ሰነ ስርዓት ምፍናው ገይረን፡፡

እተን ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበልኦ ሰርከስ ንጥዕናን ንቕሓት ኣእምሮን ካብ ዝህቦ ረብሓ ሓሊፉ ምስሊ ሃገር ኣብ ምህናፅን ሃገር ኣብ ምፍላጥን ልዑል እጃም ኣለዎ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.