Fana: At a Speed of Life!

ሃፍቲ ሰብና ቁጥብን ፍትሓዊን ብዝኾነ መገዲ ክንጥቀመሉ ይግባእ- ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃፍቲ ሰብና ቁጥብን ፍትሓዊን ብዝኾነ መገዲ ክንጥቀመሉ ይግባእ ክብሉ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)።

ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)፥ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ወላይታ ከተማ ሻንቶ ብልዕሊ 208 ሚሊየን ብር ዝተሃነፀ ፕሮጀክት ፅሩይ መስተ ማይ ኣገልግሎት ኣጀሚሮም።

እቶም ሚኒስትር፥ መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ዓውዲ ማይን ኢነርጂን ብብርኪ ሃገር ብዝተፈላለዩ መገዲታት ልዑል ፀገም ዝነበሮም ከባቢታት ፍሉይ ደገፍ ኣብ ምግባር ኢዩ ኢሎም።

ብፍላይ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ፀገም ሽፋን ማይ ዘለወን ከባቢታት ብፕሮግራም ዋን ዋሽ ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ ደገፍ ብሓፈሻ 43 ፕሮጀክትታት ብ2 ቢሊየን ብር ባጀት ይስርሑ ከምዘለዉ ገሊፆም።

ብፕሮግራም ሆርን ኣፍሪካ ድርቂ ኣብ ዘጥቅዖም ከባቢታት ሸሞንተ ዓሞቕቲ ህንፀታት ማይ ከርሰ ምድሪ ይካየድ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ብጌትነት ጃርሳ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.