Fana: At a Speed of Life!

ክለባት ፍፃመ ዋንጫ ዓለም ሎሚ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ኣብ ዝተረኸብሉ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ክለባት ዋንጫ ዓለም ፈረንሳይ ፒኤስጂን እንግሊዛዊ ቼልሲን ሎሚ ምሸት ሰዓት 4 ብሃንቀውታ ትፅቢት ይግበር።

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስታድየም ሜት ላይፍ ኣብ ዝካየድ ናይ መወዳእታ ፀወታ ክሳተፉ ትፅቢት ከምዝግበር ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ብሓዱሽ ኣቀራርባ 32 ጋንታታት ኣሳቲፉ ውድድር ዝጀመረ ዋንጫ ዓለም ክለባት 2025 ንፈለማ እዋን ክለባት እንግሊዝን ፈረንሳን ክራኸባ እየን።

ኣብቲ ፋፃመ ፀወታ ኣብቲ ውድድር ዓመት ሻምፕዮንስ ሊግ ዝዐወተ ፒኤስጂን ኮንፈረንስ ሊግ ዋንጫ ዘልዐለት ቼልሲ ተወሳኺ ዕድላት ንምርካብ ብዙሕ ንሕንሕ ከካይዳ እየን።

ብተመሳሳሊ ቼልሲ ሓዱሽ ፈራሚ ክለባት ጆዓኦ ፔድሮ፣ ኤንዞ ፈርናንዴዝን ፖል ፓልመርን ብተወሳኺ ዋንጫ ንምርካብ ዘካይድዎ ምንቅስቓሳት ትፅቢት ይግበር።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.