ፈላማይ ጉጅለ ኪነ ጥበብ ኢትዮጵያ ናብ ቻይና ከምርሕ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) “ኪን ኢትዮጵያ – ናይ ኢትዮጵያ ምብራኽ ብስራት” በዝብል መሪሕ ሓሳብ ባህሊ ኢትዮጵያ ዘፋልጥ ፈላማይ ጉጅለ ኪነ ጥበብ ኢትዮጵያ ቀፃሊ ዕለተ ሰንበት ናብ ቻይና ከምርሕ ኢዩ።
ሚኒስትር ዴኤታ ኣገለግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ባህሊን ስፖርትን ነብዩ ባዬ (ረ/ፕ)ን ኣርቲስት ካሙዙ ካሳን እቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ሎሚ ሓበራዊ መግለፂ ሂቦም።
ኣይተ ተስፋሁን ጎበዛይ÷ መንግስቲ ዓውዲ ኪነ ጥበብ ኣብ ስራሕቲ ህንፀት ሃገር ናይ ባዕሉ ግደ ንክዋፃእ ጠመተ ብምሃብ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ዓለም ትኽክለኛ ገፅታኣ ንምግንዛብ አትገብሮ ፃዕሪ ብኪነ ጥበብ ክሕገዝ ከምዘለዎ ገሊፆም።
ኣካል እዚ ዝኾነ ጉጅለ ኪነ ጥበብ ፈላማይ ጉዕዝኡ ናብ ቻይና ክገበር ኢዩ ኢሎም።
እቲ ጉጅለ ኣብ ቻይና ከተማታት ቤጂንግን ናንጅንግን ባህሊ ኢትዮጵያ ከምዘፋልጥ ሓቢሮም።
እቲ መርሃ ግብሪ ብርክብ ህመንግስቲ ምስ መንግስቲ ዝተደገፈ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።
ብመሳፍንት እያዩ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!