Fana: At a Speed of Life!

ፈላማይ ጉጅለ ኪነ ጥበብ ኢትዮጵያ ናብ ቻይና ከምርሕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) “ኪን ኢትዮጵያ – ናይ ኢትዮጵያ ምብራኽ ብስራት” በዝብል መሪሕ ሓሳብ ባህሊ ኢትዮጵያ ዘፋልጥ ፈላማይ ጉጅለ ኪነ ጥበብ ኢትዮጵያ ቀፃሊ ዕለተ ሰንበት ናብ ቻይና ከምርሕ ኢዩ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኣገለግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ባህሊን ስፖርትን  ነብዩ ባዬ (ረ/ፕ)ን ኣርቲስት ካሙዙ ካሳን እቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ሎሚ ሓበራዊ መግለፂ ሂቦም።

ኣይተ ተስፋሁን ጎበዛይ÷ መንግስቲ ዓውዲ ኪነ ጥበብ ኣብ ስራሕቲ ህንፀት ሃገር ናይ ባዕሉ ግደ ንክዋፃእ ጠመተ ብምሃብ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ዓለም ትኽክለኛ ገፅታኣ ንምግንዛብ አትገብሮ ፃዕሪ ብኪነ ጥበብ ክሕገዝ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ኣካል እዚ ዝኾነ ጉጅለ ኪነ ጥበብ ፈላማይ ጉዕዝኡ ናብ ቻይና ክገበር ኢዩ ኢሎም።

እቲ ጉጅለ ኣብ ቻይና ከተማታት ቤጂንግን ናንጅንግን ባህሊ ኢትዮጵያ ከምዘፋልጥ ሓቢሮም።

እቲ መርሃ ግብሪ ብርክብ ህመንግስቲ ምስ መንግስቲ ዝተደገፈ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ብመሳፍንት እያዩ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.