ጥዕንኡ ዝሓለወን ብኣካል ዝማዕበለን ኣመራርሓ ንዝሓለምናዩ ብልፅግና ወሳኒ እዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ጥዕንኡ ዝሓለወን ብኣካል ዝማዕበለን ኣመራርሓ ንዝሓለምናዩ ብልፅግና ወሳኒ እዩ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።
ትማሊ ዝጀመረ ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ 2017ን ዘተ ትልሚ 2018ን ምምሕዳር እታ ከተማ ሎሚ እውን ክቕፅል እዩ።
ካብ 2017 ዓመታዊ ገምጋም ስራሕን ዘተ ትልምን ጎኒ ጎኒ ሎሚ ንግሆ ኩሎም ኣመራርሓ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ማስ ኣካይዶም።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን፤ ጥዕንኡ ዝሓለወን ብኣካል ዝማዕበለን ኣመራርሓ ንዝሓለምናዩ ብልፅግና ወሳኒ እዩ ምባለን ኮሙኒኬሽን ምምሕዳር እታ ከተማ ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!