Fana: At a Speed of Life!

ጣና ፎረም ኢትዮጵያ መልህቕ ሰላምን ድሕንነትን እቲ ዞባ ምዃና ዘርኢ እዩ – ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ጣና ፎረም ኢትዮጵያ መልህቕ ሰላምን ድሕንነትን እቲ ዞባ ምዃና ዘርኢ እዩ ኢሎም ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ።

“መገድታት ሰላም ኣብ ኣፍሪካ፣ ቁጠባዊ ሉኣላውነትን ጂኦ ፖለቲካዊ ለውጥን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ 13 ክሳብ 15 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም ኣብ ከተማ ባህር ዳር ክካየድ ዝቐነየ መበል 12ይ ጣና ፎረም ብዓወት ተዛዚሙ።

ኣብዚ ዝምልከት ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ከምዝበልዎ፣ ጣና ፎረም መራሕቲ ኣፍሪካ ብዛዕባ ጉዳያት ሰላምን ድሕንነትን እቲ ዞባ ግልፂ ዝኾነ ዘተ ዝገብሩሉ ዕዉት መድረኽ እዩ።

እቲ መድረኽ ሰባት ሓሳባቶም ብዲፕሎማስያዊ ቋንቋ ከይኣሸጉ ከም ድላዮም ብግልፂ ዝገልፅሉ ምዃኑ እዚ ድማ ካብ ካልኦት ዓለምለኻዊ መድረኻት ፍሉይ ከምዝገብሮ ገሊፆም።

ጣና ፎረም ኣብተን ዝሓለፋ 12 ዓመታት ግቡእ ለበዋታት ብምቕራብ ንሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ምድላው ሪፖርት ሰላምን ድሕንነትን እታ ኣህጉር ብሃናፂ መንገዲ ከምዝተሳተፈ ኣልዒሎም።

ኢትዮጵያ መልህቕ እቲ ዞባ እያ፤ ኣብ መፃኢ’ውን ንሰላምን ድሕንነትን እቲ ዞባ ዘለዋ ቆራፅነት ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኣለዋ ክብሉ ዝገለፁ እቶም ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣማራፂታት መፍትሒ ብምቕራብ ኣብ ሰላምን ድሕንነትን እቲ ዞባ ዘለዋ ኣበርክቶ ልዑል ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ፃዕሪ ሰላምን ፀጥታን መልህቕ እቲ ዞባ ኮይና ክትቅፅል ምኽኣላ፣ ብተግባር ክረጋገፅን ቀፃሊ ክኸውንን ዝግባእ ወሳኒ ጉዳይ ምዃኑ’ውን ኣመልኪቶም።

ካብ 130 ሚልዮን ንላዕሊ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ውሽጣዊ፣ ዞባዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለምለኻዊን ሰላምን ድሕንነትን ዓብዩ ትኹረት ከምእትህብ ብምግላፅ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዘላቒ ሰላም ብዘለዎ ቆራፅነት መሰረት ብተደጋጋሚ ዘቕርቦ ፃውዒት ሰላም’ውን ነዚ ዕላማ ዝሓዘ ምዃኑ ኣብሪሆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዩህዝቢ #ዓብዩራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.