Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቬይትናም ጃልባ ቱሪስት ዝበፅሐ ሓደጋ ሕይወት 37 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ቬትናም ጃልባ ቱሪስት ብዝበፅሐ ሓደጋ ምግልባጣ ብውሕዱ ህይወት 37 ሰባት ሓሊፉ።

እቲ ሓደጋ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር እትርከብ መባፅሕ ቱሪስት ዝኾነት ሃ ሎንግ ቤይ እዩ ዘጋጠመ።

መብዛሕትኦም ተሳፈርቲ ካብ ርእሰ ከተማ ሃኖይ ናብቲ ቦታ ዝኸዱ ዜጋታት እታ ሃገር ምዃኖም ተሓቢሩ፡፡

ክሳብ ሕዚ 11 ሰባት ብህይወት ካብቲ ማይ ምውፃእ ተኻኢሉ ኢሎም።

እታ ጀልባ 53 ሰባት ኣሳፊራ ዝነበረት እንትትኾን፤ ሃንደበት ብዘጋጠመ ህቦብላ ከምዝተገልበጠት ሓለዋ ገማግም ባሕርን ሓይሊ ባሕርን ቬትናም ኣረጋጊፆም።

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.