ከተማና እንሰርሓ ጥዑይ ወለዶ ንምህናፅ፣ ንክወርሳን ንከበልፅጋን እዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ.ኤም.ሲ) ከተማና እንሰርሓ ጥዑይ ወለዶ ንምህናፅ፣ ንክወርሳን ንከበልፅጋን እዩ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡
ምምሕዳር እታ ከተማ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ካብ ዝሃነፆም 28 ፕሮጀክታት ጥዕና እቶም 22 ሎሚ ብምምራቕ ንግልጋሎት ክፍቲ ተገይሩ፡፡
እቶም ፕሮጀክትታት ዝተመረቕሉ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት እንትኾን÷ንግልጋት ክፍቲ ዝተገበሩ ጥዕና ጣቢያታት ካብ ካሊእ መዓልቲ ብዝተፈለየ ኩነታት ምስ ፈላማይ ብርኪ ግልጋሎት ሆስፒታል ማዕረ ደረጃ ዘለዎም ምዃኑ እተን ከንቲባ ተዛሪበን፡፡
ኣብተን ጥዕና ጣቢያታት ዝውሃብ ግልጋሎት ክብ ንኽብል ልዕሊ 4 ቢልየን ወፃኢ ዝተገበረሎም ዘበናዊ እታወታት መሳርሒ ሕክምናን ሰብ ሙያታት ሓዊሱ ክዋፈሩ ተገይሩ ኢለን፡፡
እቶም ፕሮጀክትታት ብፅሬትን ቅልጣፈን ሙሉእ ብሙሉእ ንህዝባዊ ኣገልግሎት ክበቕዑ ንዝገበሩ ኩሎም ኣካላት ኣመስጊነን ክብላ ኮሙኒኬሽን ምምሕዳር እታ ከተማ ንፋና ዲጂታል ገሊፆም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!