Fana: At a Speed of Life!

ኢፋድ ሓቛፊን ዘላቒን ልምዓት ግብርና ክብ ንምባል ዝተፈለየ ብፅሒት ምግባሩ ቀፂሉ ኣሎ- ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኢፋድ ሓቛፊን ዘላቒን ልምዓት ግብርና ክብ ንምባል ዝተፈለየ ብፅሒት ምግባሩ ቀፂሉ ኣሎ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ኢፋድ ኣልቫሮ ላሪዮ ዘቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ናይ ኢፋድ ፕሬዚዳንት ኣልቫሮ ላሪዮ እንኳዕ ናብ ኢትዮጵያ ብዳሕና መፃእኽን ኢሎም።

እቲ ትካል ማሕበረሰብ ገፀር ብምብቃዕ ሓቛፊን ዘላቒን ልምዓት ግብርና ክብ ንምባል ዝተፈለየ ብፅሒት ምግባሩ ቀፂሉ ኣሎ ክብሉ ገሊፆም።

ብፈተና ዘይብዳህ ኣነባብራ ንምህናፅ ምስቲ ትካል ንዘለና ፅኑዕ ምትሕብባርን ሓበራዊ ልኡኽን ልዕል ዝበለ ዋጋ ንህብ ኢና ክብሉ ኣገንዚቦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.