Fana: At a Speed of Life!

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማህሙድ አሊ ዩሱፍ ምስ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ መሓሙድ ተዛቲዮም፡፡

እቶም ኣቦ መንበር ኣብቲ እዋን ዘተ፤ መገዲ ሰላም ሶማሊያ ንምድጋፍ እቲ ሕብረት ዘለዎ ቆራፅነት ኣረጋጊፆም።

ፕሬዚዳንት ሓሰን ሼኽ መሓሙድ ብግደኦም ንዝተገበበረሎም ድሙቕ ኣቀባብላን ቀፃ ሓገዝ ሕብረት ኣፍሪካን ናእዳኦም ምግላፆም ሓበሬታ እቲ ሕብረት ኣመልኪቱ።

ኢትዮጵያ ምስ ጣሊያንን ሕቡራት መንግስታትን ብትሕብባር ኣብ ዘሰናደአቶ ካልኣይ ጉባኤ ስርዓተ ምግቢ ሕቡራት መንግስታት ዝተረኸቡ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ኣብቲ ኣብቲ ጉባኤ፤ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ዓለም ብሓደ ጠጠው ዝብለሉ እዋን ከምዝኾነ ገሊፆም ኢዮም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.